ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ19፣ ከከም ብዝሒ ህዝበን ክዕደለን’ዩ

Radio Erena: 17 January 2021

ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ19፣ ከከም ብዝሒ ህዝበን ክዕደለን ምዃኑ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ማእከል ምክልኻል ተላባዒ ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ምስ ሰለስተ መፍረ ትካላት’ቲ ክታበት ብዝኣተዎ ውዕል፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንኣባል ሃገራት ክዕድል ምዃኑ ገሊጹ።
እተን ትካላት መፍረ መድሃኒት፣ ፋይዘር፣ ጆንሰን አንድ ጆንሰን ከምኡ’ውን ኣስትራዘንታ ምዃነን ዝገለጸ’ቲ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣትዩዎ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ዓመተ 2021 ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
ካብ ቻይና ዝፈርይ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኣቱ ትጽቢት ከምግበረሉ፣ ራማፖዛ ገሊጹ።
እንተኾነ እቲ ተኣትዩ ዘሎ ስምምዕ ብመንጽር ቁጽሪ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክረአ እንከሎ ን10 ሚእታዊት እውን ከምዘይሽፍን ተፈሊጡ። ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ’ቲ ክታበት ንህዝበን ጎስጓስ ስለዘይገበራ ውጽኢቱ ገና ኣብ ምልክት ሕቶ ከምዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣፍሪቃ፣ 3.1 ሚልዮን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክትምዝግብ እንከላ፣ 76 ሽሕ ከኣ ብሰንኪ’ቲ ሕማም ሞይቶም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0