ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ጽፉፍ ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ዘይምህላወን፣ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ግዕዙይ ምሕደራ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 14 November 2019

ብመሰረት ኣብ ምሕደራ ኣፍሪቃ ኣተኵሩ ዝተዳለወ ጸብጻብ፣ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዝተጸንዐ ጽፉፍ ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ከምዘየለ ተገሊጹ።

ከም ኣብ ጾታን ዕድመን ዝተመርኮሰ ብዝሒ ህዝቢ፣ ዓመታዊ ዝውለዱ ህጻናት፣ ዓመታዊ ናይ ዝሞቱ ዜጋታት፣ ብዝሒ መሃይምነት ዘየጥፍኡን ዘየጥፍኡን፣ ብዝሒ ናይ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታትን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሃዛዊ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ፣ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ ኣገደስቲ ምዃኖም ዘነጸረ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣርባዕተ ሃገራት ጥራይ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ይሰርሓ ምህላወን ኣገንዚቡ።

ኣብ 2018፣ ናይጀርያ 90% ዝተጻፈፈ ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ክትእክብ እንከላ፣ ሲሸልስ 87%፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ሰራልዮንን ድማ 80% ከምዘጻፈፋ እቲ ብትካል ሞ ኢብራሂም ዝተኻየደ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ንምእካብ ኣይስርሓሉን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናጽነት ዝተፈተነ ቆጸራ ህዝቢ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ብዝሒ ህዝቢ ንምጽናዕ ይኹን ካልእ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ንምእካብ ዝተኻየደ መደብ ኣይነበረን።

===========

ርእይቶ

WORDPRESS: 0