ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ከፍርያ፣ ፈረንሳ ደገፋ ትገልጽ

Radio Erena: 30 May 2021

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 መስሪሐን ጥዕና ዜጋታተን ክሕልዋ መታን ክኽእላ፣ ፈርንሳ ሓድሽ ተበግሶ ክትወስድ ምዃና ገሊጻ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዓለም 20 ሚእታዊት ጠለብ ጸረ ኮቪድ 19 ክታበት ኣለወን ክነሱ፣ ዛጊት ሓደ ሚእታዊት ጥራይ ረኺበን ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕራብን ኣፍሪቃን ዘሎ ናይ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ጋግ እንተዘይጸቢቡ፣ በቲ ሕማም ዝልከፍ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክዛይድ፣ ብኡ መጠን ከኣ እቲ ሕማም ተጻዋርነት ኣጥርዩ ዳግማይ ንመላእ ዓለም ከጥቅዓ ተኽእሎ ስለዘሎ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ ከምዝገብሮ ፈረንሳ ትገልጽ።
ነዚ ጋግ’ዚ ንምጽባብ ከኣ እቲ ዝቐልጠፈ ፍታሕ፣ ከም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት እኹል መሳለጥያታት ከምዝረኽባ ብምግባር ነቲ ክታበት ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ከምዝፈርይ ምግባር ምዃኑ ፕረዚደንት ማክሮን ይገልጽ።
ፈረንሳ፣ 30 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ንሃገራት ኣፍሪቃ ክትልግስ ምዃና ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።
ኢንስቲትዩት ባዮቫክ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሓደ ካብቶም ክታበት ጸረ ኮቪድ ከፍርዩ ተሓጽዮም ዘለዉ ትካላት እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ትሕቲ 2 ሚእታዊት ጥራይ ካብ ህዝበን ብምኽታብ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከባ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0