ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝጸንሐ 6 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፣ ብህወቶም ከምዘለዉ ተሓቢሩ

    ብኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዕሽ ተታሒዞም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝጸንሐ 6 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ብህወቶም ከምዘለዉ፣ ካብቲ ጉጅለ ኣምሊጦም ዝወጹ ዜጋታት ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቅ ሓቢሮም።

    እቶም ኤርትራውያን ኣብ ቃለ መጠይቖም፣ እቲ ኣብ ሊብያ ብሰፊሑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ በብእዋኑ ዝጨወዮም ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪብዎም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ነቶም 6 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝረኸብዎም ድሕሪ ምሕባር፣ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝተቐትሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምዝነበሩ ኣረጋጊጾም።

    እንተኾነ በቲ ጉጅለ ሓድሽ ኣስማት ተዋሂቡዎም ስለዝኾነ፣ ሓቀኛ መንነቶም ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ከምዝኾነ እቶም ንስክላ ህይወቶም ዝደሓነት ኤርትራውያን ሓቢሮም።

    ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ተቐዪዶምሉ ዝነበሩ መዓስከር ደብዳብ ነፈርቲ ስለዝተኻየደ፣ ናይ ምምላጥ ዕድል ከምዝረኸቡ፣ ናብ ውሑስ ዝበልዎ ቦታ ንኽበጽሑ ከኣ ንሽዱሽተ መዓልቲ ጥራይ እግሮም ከምዝተጎዓዙ ሓቢሮም።

    ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዕሽ ‘ሃይማኖትኩም እንተዘይቀዪርኩም፣ ከም ኣሕዋትኩም ክትስየፉ ኢኹም’ ኢሎም የፈራርህዎም ከምዝነበሩ፣ ንሳቶም ከኣ ኣይንቕይርን ስለዝበሉ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ተበዪኑሎም ከምዝነበረ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም።

    እዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ብዘይካ’ቲ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነቱ ንምዕባይ ራዕዲ ክፈጥር ዘካዪዶ ጭካነ ዝመልኦ መቕተልቲ፣ ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታትን ንግዲ ደቂ ሰባትን’ውን ተዋፊሩ ብሚልዮናት ዶላራት ገንዘብ ከኻዕብት ምጽንሑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0