c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም'ዩ

Radio Erena: 21 February 2017

Guell Chirac

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ካብ ቤተ መንግስቲ ፈረንሳ- ኤሊዘ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ምዃኑ ዝሓበረት ጋዜጣ ዥን ኣፍሪክ፣ እዚ ድማ ፈረንሳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ኣተኩሮ ብመጠኑ ከምዝጎደለ ዝእንፍት'ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝወሓደ ተገዳስነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ካብ ስልጣን ክእለ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ'ዩ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ኤሊዘ ዓዲምዎ ዘሎ።

Read more...

ሱዳን፣ ልዑል ወሰኽ ዋጋ መንበሪ ፍቓድ፣ ብሕጋዊ ፓስፖርት ንዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸቕጢ ይፈጥር

Radio Erena: 20 February 2017

Pass in Sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ዋጋ መንበሪ ፍቓድ (ብጣቓ) ካብ 500 ናብ 2350 ፓውንድ ክብ ምባሉ፣ ብሕጋዊ ፓስፖርት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል ምኽንያት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጻሊ ግፋ ከካይድ እንከሎ፣ ነቶም ብሕጋዊ ፖስፖርት ዝነበሩ ድማ ዋጋታት መንበሪ ፍቓድ፣ ካብ 150 ናብ 500 ፓውንድ'ዩ ክብ ኣቢልዎ ጸኒሑ።

ካብዚ ቀረባ ድማ እቲ መንግስቲ ንዋጋ መንበሪ ፍቃድ ወይ ብጣቓ፣ ካብ 500 ናብ 2300 ክብ ምባሉ ኣብ ሱዳን ብሕጋዊ መንገዲ ንዝበሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ'ሎም ኣሎ።

Read more...

ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ዝመርሖ ጉጅለ፣ ብዛዕባ ዓቃብ ሰላም እማመታት ከቕርብ ብዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ተመዚዙ

Radio Erena: 17 February 2017

Tamrat

ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ተኣምራት ሳሙኤል ዝመርሖ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ'ቲ ውድብን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝጻወቶ ዘሎ ተራን መጽናዕቲ ብምክያድ እማመታት ከቕርብ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረስ ከምዝተመዘዘ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ዝተሓበረ፣ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ንፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ ዣን ፕየኽ ላክርዋ፣ ሓላፊ ናይቲ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓቃብ ሰላም ንክኸውን ኣብ ዝመዘዘሉ ዕለት'ዩ።

ብኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል እትምራሕ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ሰነ 2017 እማመታት ክሳብ እተቕርብ፣ እቲ ፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ክቕጽል'ዩ።

Read more...

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሌ ስሚት ተዛዚሙ

Radio Erena: 20 February 2017

Cycling Africa

ኣብ ግብጺ ክካየድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሌ ስሚት ተዛዚሙ።

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2017 ኮይኑ ቅድድሙ ንዝዛዘመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሌ ስሚት ስዒቡ ድማ ኤርትራዊ ሜሮን ኣብርሃም፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ።

ብዘይካ'ዚ ሜሮን ኣብርሃም ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዕድመ ተቐዳደምቲ፣ ሻምፕዮን ተዓዋቲ ወርቂ ሜዳልያ ንምዃን በቒዑ።

ኣብዚ ካብ 14 ክሳብ 19 ለካቲት ኣብ ግብጺ፣ ሉክሰር ዝተኻየደ፣ ስሙያት ተቐዳደምቲ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ዝተፈላለየ ኣንጸባራቒ ዓወታት ክትሓፍስ ክኢላ።

Read more...

ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝቲ ዋዕላ ኣብ መቐለ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 February 2017

Ethio Sud

ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝቲ ዋዕላ ካብ 14 ክሳብ 16 ለካቲትኣብ መቐለ ተኻይዱ።

እቲ መበል 18 ስሩዕ ዋዕላ ምዃኑ ዝተነግረ፣ ርክብ ኮሚተ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ከባቢ ዶባት እዘን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ጸጥታ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ፣ ኣቑሑ፣ ንግዲን ሕርሻን ብምትኳር ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ፣ ካብ ወገን ሱዳን ወከልቲ ዞባታት ገዳርፍ፣ ብሉ ናይል፣ ሰናርን ከሰላን ካብ ወገን ኢትዮጵያ ድማ ወከልቲ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ክሳተፉ ምዃኖም ኣመሓዳሪ ዞባ ገዳርፍ ሙርቓኒ ሳልሕ ስዒድ ኣሕመድ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣቐዲሙ ኣብ ዘካየዶ ቃለ- መጠይቕ ገሊጹ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.