c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ናብ ንቡር ክምለስ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ከምዝልኣኸ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 April 2017

Salva Kir Isu

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ናብ ንቡር ክምለስ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ከምዝልኣኸ ዲፕሎማሳውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፣ ኤርትራ ታሪኻዊት መሓዛ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ምዃና ብምዝኽኻር መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ'ውን ምስታ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳይ ንምትሕብባር ቅሩብ ከምዘሎ ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

መንግስታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ እንተኽኢሎም፣ ኣብ ምርግጋጽ ጸጥታን ሰላም እቲ ዞባ ዓቢ ግደ ክጻወቱ ተስፋ ከምዘለዎ'ውን እቲ መልክቲ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

Read more...

ኣብ ገማግም ባህሪ ሶማል፣ ንብረት ህንዲ ዝኾነት ንግዳዊት መርከብ ተጨውያ

Radio Erena: 05 April 2017

Indian Ship

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ምጭዋይ መራኽብ ዳግም ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፣ መንነቶም ዘይተነጸሩ ዕጡቃት፣ ዋንነት ህንዲ ንዝኾነት ናይ ንግዲ መርከብ ከምዝሓዙ ተገሊጹ።

እታ መርከብ ካብ ዱባይ ናብ ወደብ ቦሳሶ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ እትመርሓሉ ዝነበረት እዋን'ያ ብሰኑይ 3 ሚያዝያ ተታሒዛ።

እታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ብዕጡቓት ተጨውያ ዘላ መርከብ 11 ሰራሕተኛታት ከምዝነበሩዋ መንግስቲ ህንዲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን፣ ናብ ሞቛድሾ እትመርሕ ዝነበረት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ዕጡቓት ሶማል ንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒሞም ጅሆ ሒዞማ እኳ እንተነብሩ፣ ብኡ ንብኡ ከምዝለቐቕዋ ይፍለጥ።

Read more...

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና ሂበን

Radio Erena: 04 April 2017

US Ethio

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝሃባ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ መጋቢት፣ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ሶማል ሰራዊተን ኣዋፊረን ካብ ዝርከባ ሃገራት፣- ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ሶማልን ካልኦት ሃገራትን ንዝተዋጽኡ ኣባላት ሰራዊት'ዩ ተዋሂቡ።

ዕላማ እቲ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጣና፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝመጽእ ዘሎ ቀጻሊ ተጻብኦታት ንምምካት ዘኽእል ምዃኑ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።

Read more...

ኤርትራ፣ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ዙር 2017 ከተእንግድ'ያ

Radio Erena: 04 April 2017

Tour Er 2017

ኤርትራ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ተፈላጥነት ዘለዎ ዙር 2017 ከተእንግድ ምድላዋት ተካይድ ከምዘላ ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

እቲ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዙር ኤርትራ 2017፡ ካብ 18 ክሳብ 22 ሚያዝያ ክካየድ'ዩ።

ብመሰረት ወኪል ኤረና ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ ኣብ’ዚ ንሓሙሽተ መድረኻት ዝቕጽል ውድድር፡ ኤርትራ ብሰለስተ ጋንታታት ክትውከል እንከላ፣ ካብኣተን እታ ሓንቲ፡ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ዝተጠርነፈት ክትከውን'ያ።

እተን ክልተ ግን፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝነጥፋ ክለባት ኣስቤኮን ሰንበልን እየን።

Read more...

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያን ካብኣ ወትሃደራዊ ንዋት ንዝሸመተ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን እገዳ ኣጽኒዑ

Radio Erena: 03 April 2017

Radio Opp

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ልዕሊ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ሶርያን ከምኡ'ውን ካብዘን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ንዝሽምታን ዘሰጋግራን ኤርትራ እትርከበን ሃገራትን ናይ ኣጽዋር እገዳ ክጸንዕ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ብ30 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊኣ ዝተንብረ እገዳ ብምጥሓስ ብውሕዱ ክልተ እዋን ኣጽዋር ክትሸይጥ ከምዝሃቀነት ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ናብ ኤርትራ ንምሻጥ ኣብ ዝፈተነሉ ከምዝተታሕዘ ኮሚተ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ፣ዚ ምግላጹ ይዝከር።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.