c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ኤርትራን ሩስያን፣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ከምዘለወን ይገልጻ

Radio Erena: 30 January 2017

Osman Lav

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዑስማን ብ30 ጥሪ ናብ ሞስኮ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይህ ባሕርን ዘትዩ።

ኤርትራን ሩስያን ዝምድንአ ከሐይልን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሓን ዝብል ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጠን።

Read more...

ቤ/ጽ ፕረዚደንት፣ ስም ዝርዝር ስድራቤታቶም ኣብ ደገ ዘቐመጡ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ይእክብ

Radio Erena: 30 January 2017

MOF A

ናብ ወጻኢ ዝተመደቡ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት፣ ስድራቤታቶም ከውጽኡ ፍቃድ ክወሃቦም ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ስም ዝርዝር ናይቶም ድሮ ስድራቤታቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቕባ ኣሕቲቶም ዘንብሩ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታትን ሰበ ስልጣናትን ይስንድ ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጽኢ ሓቢሮም።

ሓያሎ ካብቶም፣ ኣንስቶም ደቆምን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ቆንስል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ኣቶ ኣሕፈሮም ብርሃነ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ካናዳ፣ ኣምባሳደር ኣስመሮም ኣብርሃ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፓኪስታን ነበረ ዓብዱ ሄጂ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ነበረ ዑስማን ጅምዕ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ነበረ ሱሌማን ኣልሓጅ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣመሪካ ካልኦትን ይርከቡ።

Read more...

ኣብ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንውሳኔታት እስራኤል ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 27 January 2017

Israel Demo

ኣብ እስራኤል፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ኣብ ዝግለጽ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንምቅዋም፣ ብሓሙስ 26 ጥሪ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብ13 ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ዝተበገሱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ቀጽሪ'ቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ፊት ፓርላማ እስራኤልን ብምትእኽኻብ'ዮም፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዝኹንን ተቓውሞታት ኣስሚዒኦም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ብዕቱብ ስለ ዘይተገንዘቦ፡ ኣብ ብይኑ ንመንግስቲ እስራኤል ዝሕግዝ ውሳኔታት ከሕልፍ ብምጽንሑ፣ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ'ቲ ኣብ እዮርሳሌም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሃኣልዮን ሰልማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር የረድእ።

Read more...

ኤርትራ፣ ንውሽጣዊ ናይ መጓዕዝያ በረራታት ካብ ግብጺ ነፋሪት ትካረ

Radio Erena: 30 January 2017

antonov

መንግስቲ ግብጺ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምርግጋጽ፣ ኣብ መጓዓዝያ እተግልግል ነፋሪት ብክራይ ከምዝሃበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ ኣስታት 50 ተሳፈርቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዋ፣ ኣብ መፋርቅ 1990ታት ካብ ዩክሬን ዝተሸመተት፣ Antonov AN-140 ዝዓይነታ ነፍሪት፣፣ ኣብ ውሽጥዊ መጓዓዝያታት ግብጺ ከተገልግል ምጽንሓ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብ መንጎ መንግስታት ግብጽን ኤርትራ፣ ብዝካየድ ዘሎ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ድማ፣ መንግስቲ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብን ናብን ኣስመራ ካይሮ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝካየድ በረራታት እተገልግል ነፋሪት'ውን ብልቃሕ ከምዝሃበ'ዩ ዘረጋግጽ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

Read more...

ፋሉላት ኣኽላባት፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት የውርዱ

Radio Erena: 27 January 2017

HAdas Aklabat

ኣብ ከተማ ባጽዕ፣ ፋሉላት ኣኽላባት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት የውርዱ ከምዘለዉ፣ ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 17 ጥሪ ሕታማ ገሊጻ።

እታ ሕታም መበል 26 ዓመት ቁጽሪ 119 ጋዜጣ፣ ኣብ ዓምዲ ደብዳቤታት ኣንበብቲ፣ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብእንዳ ኮርያ ዝፍለጥን ከባቢ እንዳ ሚካኤልን ብርክት ዝበሉ ኣኽላባት ተዘሪኦም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ብጉጅለን ብውልቅን ኣብ ፈቐድኡ እናዛወኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከውርዱ’ውን ከምዝርኣዩ ጠቒሳ።

እቲ ብሓደ ነባሪ ከተማ ባጽዕ ብዝተላእከ ወሃቢ ርእይቶ ዝቐረበ ሓበሬታ፣ ብዕለት 22/12/2016 ንሓንቲ ኣደ ሽሞንተ ኣኽላባት ከቢቦም፣ ክልተ ካብኦም ክሰሃሉወን ከምዝፈተኑ ብምምልካት፣ ሓለፍቲ መንገዲ ነቶም ኣኽላባት ብምብራር ነተን ኣደ ናብ ሕክምና ከምዝወሰድወን ይገልጽ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.