c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ኣብ እስራኤል፣ ግፋ ኤርትራውያን ተኻይዱ

Radio Erena: 28 December 2016

Israel pol

ሓይልታት ኢሚግሬሽን እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ፔታኽ ቲክቫ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እዚ ናብ ሰሉስ 27 ታሕሳስ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ዝተኻየደ ግፋ ኤርትራውያን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኢመግረሽን እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ምእሳርን "ብፍታዎም" ኣብ ትሕቲ ዝብል ግዱድ ናይ ምጥራዝ ኣገባብን'ዩ።

ኣብቲ ግፋ ዝተዋፈሩ፣ ፍሉይ ልብሲ ዝወደዩ ሓይልታት ክፍሊ ኢምግሬሽን፣ ገዛ ገዛ እናኣተው ኣብ ዘካየድዎ ግፋ ነንዝሓዝዎም ኤርትራውያን እናከላበቱ ብፍሉይ ናብ ዝተዳለዋ ጸዓዱ ሚኒባሳት ሰቒሎም ከምዝወሰድዎም ተፈሊጡ።

Read more...

ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ቀሓውታ፣ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ 10ታት ኣመንቲ ክርስትና ተቐይዶም

Radio Erena: 28 December 2016

Kahawta

መንግስታት ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ብምኽንያት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ንእሱራት ምሕረት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ከባቢ ቀሓውታ፣ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ 10ታት ኣመንቲ ክርስትና ከምዝቐየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ቀሓውታ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ፣ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ፣ ጾምን -ጸሎትን ዝገብሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን፣ ጫማታቶም ብምምንዛዕ፣ ጥራይ ኣእጋሮም ፒክ-ኣፕ ኣብ ዝዓይነታ መኪና ጽዒኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ስድራቤታት እቶም፣ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ ዝተቐየዱ ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና፣ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ይደልይዎም ከምዘለው ኣመልኪቶም።

Read more...

ብዝሒ ተጠቀምቲ ሞባይል ኣብ ኤርትራ 7.5% ጥራይ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 December 2016

Mob Er

ኣብ ኤርትራ፣ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን 7.5 ካብ ሚእቲ ጥራይ ምዃኖም፣ ኣብ ኣገልግሎታት ርክባት መጽናዕቲ ዘካይድ ኣህጉራዊ ትካል ቡድ ኮም ሓቢሩ።

እቲ ንዝተፈላለያ ኩባንያታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ብምውካስ መጽናዕቲ ዘካይድ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ዝውነን እንኮ ወሃቢ ኣገልግሎት ተሌፎንን ኢንተርነትን (ኤሪተል) ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ክሳብ መፋርቕ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 5.5 ሚልዮን ካብ ዝተገምገመ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ትሕቲ ፍርቂ ሚልዮን ጥራይ'ዩ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ክውንን ክኢሉ።

Read more...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ እገዳ ክልዓለ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ልኢኹ

Radio Erena: 28 December 2016

Issu

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ከምዝልኣኸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ን7 ዓመታት ተነቢሩ ዘሎ "ዘይሕጋዊ'ዩ" ዝበሎ እገዳ ክልዓል ብምጽዋዕ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደል ብምዝክኻር፣ ኣብዚ እዋን'ዚ'ውን ኣብ ክንዲ ብበደሉ ዝጠዓስን ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽሕስን፣ ክቐጽዖ'ዩ ዝርአ ዘሎ ምባሉ እቲ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ይጠቕስ።

እቲ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ደብዳቢኡ ኢትዮጵያ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ወሪራ ክነሳ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ተቓውሞ ይገልጽ።

Read more...

መራሕቲ ግብጽን ጅቡትን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ስምምዕ ይኽትሙ

Radio Erena: 27 December 2016

Dj Eg

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሰኑይ 26 ታሕሳስ ናብ ግብጺ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ግብጺ፣ ብዘይካ'ቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምድልዳል ዝግበር ተበግሶታት፣ ብዛዕባ'ቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጅቡቲ እትሃንጾ ወትሃደራዊ መዓስከርን ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድናን ከተኩር ምዃኑ ይግለጽ።

ብዘይካ'ዚ'ውን፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ተኽእሎታትን ግብጺ ክትጻወቶ እትኽእል ናይ መንጎኝነት ተራን ክዝትዩ ምዃኖም ማዕከን ዜና ኣል ምስር ኣልዮም ትእንፍት።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.