c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ንክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዘዋስን ዓድታት ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ

Radio Erena: 10 March 2017

Oro Soma

ንክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዘዋስን ዓድታት ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተኻየደ፣ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፣ ካብ ክልል ሶማል ዝተበገሱ ዕጡቓት፣ ናብ ሓሙሽተ ዓድታት ናይ ኦሮሞ ብምእታው፣ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ከምዘብጽሑ ምርግጋጹ ጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዜናኣ ኣስፊራ።

ብዘይካ'ዚ በቲ ግጭት ሓያሎ ተወላዶ ኦሮሞ ካብ ዓድታቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፣ እቶም ዕጡቓት ኣብተን ዝኣተዉወን ዓድታት ኦሮምያ፣ ባንዴራ ናይ ክልል ሶማል እናተኸሉ ከምዝኸዱ ቤት ምክሪ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ዘካየዶ ኣኼባ ኣመልኪቱ።

Read more...

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ልዕሊ 2700 ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 09 March 2017

Minors in Europe

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016፣ ልዕሊ 2700 ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ኣብ 2016 ብጠቕላላ 181, 436 ሰባት ባሕሪ ኣቛሪጾም ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 25,000 ሽሕ ካብዚኣቶም ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ 2016 ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 25 ስሕ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ እቶም 21 ሚእታዊት ዜጋታት ናይጀርያ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 11 ሚእታዊት ማለት 2750 ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም'ዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

Read more...

ሶማልያ ድሕሪ 25 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ከተሕትም'ያ

Radio Erena: 09 March 2017

shiling

ሶማልያ ድሕሪ 25 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ከተሕትም ምድልዋት ትገበር ከምዘላ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ምቅዳቅ መራሒ እታ ሃገር ነበረ ስያድ ባረ ካብ ስልጣን ኣብ 1991 ሕጋዊ ብጤራ ዘይጸንሃ ሶማል፣ ህዝባ ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዶላር፣ ኤውሮን ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ባጤራ'ዩ ክጥቐም ጸኒሑ።

እታ ሃገር፣ ድሕሪ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ 2009 'ውን እንተኾነ ፣ ሃገራዊ ባንክ ክትምስርት እኳ እንተኸኣለት፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ንምሕታም ግና ኣይከኣለትን።

Read more...

ማሊዥያ፣ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኣብ ልዕሊ ዝፍጽም ዘሎ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለት ገሊጻ

Radio Erena: 09 March 2017

King Salman 2

ፖሊስ ማሊዥያ፣ ኣብ ልዕሊ'ቲ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካይድ ዘሎ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ቤተሰቡን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ኔርዎም ዝበሎ ኣርባዕተ የመናውያን ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ'ዚውን ሓደ ማሊዥያውያን ሓደ ዜጋ ኢንዶኔዥያን'ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ተኣስርዎም ኣለዉ።

እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝተታሕዙሉ፣ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ፖስፖርትን ልዕሊ 100 ሽሕ ዝግመት ናይ ወጻኢ ሃገራት ባጤራን ኣብ ኢዶም ከምዝጸንሐ ኣፈኛ ፖሊስ እታ ሃገር ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

Read more...

መበል 103 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ይዝከር

Radio Erena: 08 March 2017

March 8

08 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ'ውን ብማዕረ ክሳተፋን እተዘኻኽር ዕለት'ያ።

ብዘይካ'ዚ'ውን ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጽሞ ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰላ ጎዳኢ ልምድታት፣ ሓደ ካብ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ'ውን ሸሞንተ መጋቢት ተዘኻኽር።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.