c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ብመንግስቲ ኤርትራ ዝዳሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ፈሺሉ

Radio Erena: 16 April 2017

ደሞ ሆላንድብመንግስቲ ኤርትራ ዝዳሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ ናይ ሎሚ ዓመት መደቡ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ከተማ ፈንድሆቨን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ ብዘጋጠሞር ተሪር ተቓውሞ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን’ዩ ክፈሽል ክኢሉ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነበርቲ ነዘርላንድስ ድሕሪ ዘርኣዩዎ ተሪር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ምምሕዳር’ታ ከተማ ነቲ ዋዕላ ደው ከብሎ ከምዝተገደደ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣዳለውቲ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ እቲ ብምምሕዳር’ታ ከተማ ዝተወስደ ስጉምቲ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ናብ ቤት ፍርዲ’ኳ እንተጠርዑ፣ ቤት ፍርዲ’ታ ከተማ ነቲ ጥርዓን ብምንጻግ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ካልኦት ሓለፍቲን ዝርከብዎም፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ ህግደፍ ካብቲ ሆቴል ጠቕሊሎም ክወጹ ኣዚዙ።

Read more...

ፖሊስ ሱዳን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ንዝጸንሑ 21 ኤርትራውያን ናጻ ኣውጺኦም

Radio Erena: 16 April 2017

ሱዳን ዶብፖሊስ ሱዳን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ንዝጸንሑ 21 ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽኡ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቓዊ ዞባ ከሰላ ተጨውዮም ዝነበሩ ኤርትራውያን 10 ደቂ ተባዕትዮ 8 ደቀንስትዮን ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብምትሕብባር ፖሊስ፣ ኣባላት ጸጥታን ሰራዊትን ብሓሙስ ዕለት 13 ሚያዝያ ዝተኻየደ ስርሒት ሸውዓተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

Read more...

ብሕ/ሃ ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ሶማልያን ዝምልከት ጸብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርብ'ዩ

Radio Erena: 13 April 2017

ESMG UN

ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ሶማልያን ዝምልከት ጸብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርብ'ዩ።

እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሎሚ 13 ሚያዝያ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ፣ ብዛዕባ'ቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ንምሽማት ዝሃቀነቶ ወትሃደራዊ ንዋት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ናብ ኤርትራ ንምሻጥ ኣብ ዝፈተነሉ ከምዝተታሕዘ ኮሚተ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ ናይዚ ዓመት'ዚ ምግላጹ ይዝከር።

Read more...

ፖሊሲ ምፍራስ ኣባይቲ መንግስቲ ኤርትራ ንከተማ ሓጋዝ'ውን ኣረኻኺቡላ

Radio Erena: 13 April 2017

HAGAZ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ምዕናይ ኣባይቲ፣ ኣብ ሓጋዝ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዘዕነወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣባይቶም ክዓኑ ምዃኑ ዝተሓበሮም ስድራቤታት፣ ባዕሎም ክወጹ ናይ ዓሰርተ መዓልታት መጠንቐቕታ ከምዝተዋህቦም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዝበዝሑ እቶም ስድራቤታት ነቲ ናይ ምፍራስ ፖሊሲ ብምቅዋም ካብ ቤቶም ከይወጹ'ዮም ጸኒሖም።

ብ10 ሚያዝያ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ብዶዘራት ኣብ ዝዓነወሉ፣ ህዝቢ ሓጋዝ ተቓውሞ ከየለዓዕል መንግስቲ ኣብታ ከተማ ኣባላት ሰራዊት ከምዘዋፈረ'ውን ገሊጾም።

Read more...

ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር'ዩ ምዃኑ መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ

Radio Erena: 13 April 2017

Visa Su

ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር'ዩ ክብል መንግስቱ ሱዳን ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ኣብ መግለጺኡ፣ ነቲ ካብ 2004 ኣትሒዙ ንዜጋታት ግብጺ ናብ ሱዳን ብዘይቪዛ ክኣቱ ዝፈቕድ ኣዋጅ ቅድሚ ምቕያሩ፣ ምስ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ኣገንዚቡ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን፣ ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ተኸሲቱ ዘሎ ሓያሎ ዘይምርድዳእ ጠንቂ'ቲ ናይ ሱዳን ሓድሽ ኣዋጅ ምዃኑ'የን ማዕከናት ዜና ግብጺ ዝጠቕሳ ዘለዋ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.