c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 120 ስደተኛታት ሓደጋ ኣጋጢምዎም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 120 ስደተኛታት ጽዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ናብ ትሪፑሉ ሊብያ እተምርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብዘጋጠማ ናይ ምግምጣል ሓደጋ ብውሕዱ ሰስለተ ኤርትራውያንን 23 ሶማላውያንን ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

Read more...

ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

ድምጺ ሬድዮ ኤረና፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና ትብል።
    ሓድሽ ዓመት 2013፣ ዓመተ ራህዋ፣ ቅሳነትን ምዕባለን ክትኮነልና፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕልፎ ዘሎ መስገደል ዝመልኦ ህይወት ወጺኡ፣ ህድኣትን ርግኣትን ዘለዎ ህይወት ክመርሕ፣ ዝተበታተና ስድራቤታት ዝተሓቛቖፋሉ፣ ዓመት ክኾነልና ንምነ።

Read more...

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደምህትን ኤርትራን ተራኺቦም

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ደምህት ምስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ባረንቱ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ደምህት ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ፣ ግዝያዊ መዓስከር ኣቝሙ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ህውሓት ከምዝቓለስ ዝገልጽ ምንቕስቓስ፣ ዳግመ ውድባን ምትዕርራይ ኣሃዱታትን የካይድ ከምዘሎ'ዩ ዝሕበር።

Read more...

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኩባ ናይ ሞያውያን ሓገዝ ይሓትት

ብዋሕዲ ሞያውያን ሓካይም ኣብ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኩባ  ናይ ሞያውያን ሓገዝ ይሓትት ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሮም።

    በብግዜኡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሞያ ሕክምና ዝምሃሩን ዝስልጥኑን ዜጋታት እኳ እንተለዉ፣ ካብቲ ዝምሃርን ዝስልጥንን ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ሞያዊ ዓቕሚ ብምዝያዱ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ኩባ ዝሓትት ዘሎ።

Read more...

ሓላፊ ምህንድስና ኤሪ-ቲቪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ

ሓላፊ ምህንድስና ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልገለ ዳኒኤል ክፍሎም፣ ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ሓላፊ ምንህድስናን ተክኒካዊ ኣማኻሪ ሚኒስተርን ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተተ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.