c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ዙር ኤርትራ 2017 ጽባሕ ክካየድ'ዩ

Radio Erena: 17 April 2017

Cycling Er Tm

ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ተፈላጥነት ዘለዎ ዙር ኤርትራ 2017 ካብ ሰሉስ 18 ሚያዝያ ክካየድ'ዩ።

እዚ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዙር ኤርትራ 2017፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ድባርዋ ናብ ከረን 124 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ካብ ከረን ናብ ባረንቱ 142 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ካብ ሓጋዝ ናብ ኣስመራ 117 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ካብ መንደፈራ ናብ ምጽዋዕ 170 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ሓሙሻይን መወዳእታን መድረኽ ድማ ካብ ምጽዋዕ ናብ ኣስመራ 107 ኪሎ ሜትር፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 660 ኪሎ ሜትር ክሽፍን እዩ።

ኤሪቴል፣ ኣስቤኮን ሰምበልን ብደረጃ ጋንታታት ኣብ’ዚ ዙር ዝሳተፋ ክኾና ከለዋ፡ ካብ ኩለን ክለባት ሃገርና ብዝተዋጽኡ ኣባላት ዝቖመት ሃገራዊት ጋንታ'ውን ራብዐይቲ ኮይና ክትቐርብ'ያ።

Read more...

ግብጺ፣ እገዳ ሱዳን ንኸይልዓል፣ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ደገፋ ክብል መንግስቲ ሱዳን ወቒሱ

Radio Erena: 17 April 2017

Ghandor

ግብጺ፣ እገዳ ሱዳን ንኸይልዓል ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣድሚጻ ክብል መንግስቲ ሱዳን ወቒሱ።

ማዕከናት ዜና ዓረብ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መስረት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር፣ ነዚ ናይ ግብጺ ውሳኔ፣ "ዘይትጽበዮን ዘይንቡርን" ክብል ገሊጽዎ።

ውሳኔ ግብጺ፣ በዚ ኣብ መንጎ ክቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ዘይምርድዳእ ተጸልዩ ክኸውን ከምዝክእልው'ን መንግስቲ ሱዳን ግምታቱ ይህብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ ብ1591 ዝፍለጥ እገዳ ንኸይልዓል ክትድግፍ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ድማ በንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ እገዳ ክልዓለ ድምጻ ከምዝሃበት'ዮም ዲፕሎማሳውያን ምንጭታት ጠቒሶም።

Read more...

ኬንያ ካብ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ንምሽማት ትዝቲ

Radio Erena: 16 April 2017

kenya Saudi

ኬንያ፣ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብዝሓሰረ ዋጋ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምሽማት ትዝቲ ከምዘላ ጋዜጣ ካፒታል ኤፍኤም ካብ ናይሮቢ ሓቢራ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ናብ ሃገር ዑደት ምስ ዘካይድ ዘሎ ልኡኽ ንግስነት ስዒዲ ዓረብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን'ዩ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኬንያ ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምሽማት ብዛዕባ ዝህልዋ ተክእሎ ድሕሪ ምዝታይ፣ ስዑዲ ዓረብ ከኣ 'ውን ናይ ስጋ ከብትን ኣባጊዕን ካብ ኬንያ ንኽትሽመት ዕዳጋ ተኸፊቱላ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

Read more...

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንዘይበጽሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ መፍትሒ ክረኽባሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ

Radio Erena: 16 April 2017

Feder

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንዘይበጽሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ መፍትሒ ክረኽባሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብምኽንያት 15 ዓመት'ቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብይን ዝተዋህበሉ ዶባት ኣብ ባይታ ንኽሕንጸጽ፣ እወታዊ ምትብባዕ ከምዝገብር ሓቢሩ።።

ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 12 ታሕሳስ፣ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጎኒ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ብምዃን ከም ምስክር ክታሙ ከምዘንበረ ዘዘኻኸረ መግለጺ ሕብረት'ቲ ሕብረት፣ እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ መዕለቢኡ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ ከምዘተሓሳስቦ ኣፍሊጡ።

Read more...

የመን፣ ሓሙሽተ ወትሃደራት ሱዳን ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 April 2017

Sudan army

ኣብ የመን፣ ኣንጻር ሰራዊት ሑቲ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓሙሽተ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝተቐትሉን 22 ከኣ ከምዝቖሰሉን ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ወትሃደራት ሱዳን፣ ብ11 ሚያዝያ ኣብ ጎቦታት ጃባል ኣልናር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝተቀትሉ ዝሓበረ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ'ቶም "ጸላእቲ" ዝበሎም ዕጡቓት ሑቲከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ጠቒሱ።

ኣፈኛ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ፣ ጀነራል ኣሕመድ ኣሲሪ ናኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቶም ዝተቀትሉ ወትሃደራት ሱዳን፣ ኣባላት ፍሉይ ስርሒት ምንባሮም ኣረጋጊጹ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.