c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ኤርትራ፣ ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ገኒኑ

Radio Erena: 19 April 2017

Nakfa weyal

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢና ብዝብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ክትራንን ዝምታን እናገነነ ይመጽእ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኹልና ሓበሬታ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘን ንዝተሓወለሎም ሰባት እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝፍጸም ዘሎ ክትራንን ዝምታን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣስሚሮም።

ንሳቶም ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘብ ንዝተሓወለሎም ሰባት ብምክትታል፣ እቲ ዝተሓወለሎም ገንዘብ ብምሉእ ወይ ፍርቁ እንተዘየረኪቦሞም ከእስርዎም ምዃኖም ብምፍርራሕ'ዮም ዝዘርፍዎም ዘለዉ።

Read more...

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ክፍጽም'ዩ

Radio Erena: 19 April 2017

James d

ሚኒስተር ምክልኻል ጄምስ ማቲስ ዝምርሖ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ክፍጽም'ዩ።

ዑደቱ ብ18 ሚያዝያ ብስዑዲ ዓረብ ዝፈለመ እቲ ሚኒስተር ናብ ግብጺ፣ ቀጣርን እስራኤልን'ውን ክበጽሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ሚኒስተር ማቲስ ናብ ሃገራት ማእከላይ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ'ዩ።

Read more...

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ካርቱም ከምርሕ'ዩ

Radio Erena: 18 April 2017

Egypt FM

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ዝመርሖ ልኡኽ ናብ ካርቱም ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ሹክሪ ብዛዕባ'ቲ ተወጢኑ ዘሎ ዑደት ኣመልኪቱ ንኣልምስር ኣልዮም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ዘካይዶ ርክብ ንረብሓ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ነጥብታት ፖለቲካዊ ዘተ ብምክያድ ዘለዎም ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንሱ ብቀዳም 15 ሚያዝያ ናብ ካርቱም ንምብጻሕ መደብ እኳ እንተነበሮ፣ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር በረርኡ ከምዝተሰረዘ'ዩ ጠቒሱ።

Read more...

ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ

Radio Erena: 18 April 2017

Umarov

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ርክብ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘይተረኽበ ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ካይራት ኡማሮቭ ሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ሶማልያን ዝምልከት እዋናዊ ጸብጻብ ብ13 ሚያዝያ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን'ዩ።

ካዛኪስታናዊ ዲፕሎማሰኛ ካይራት ኡማሮቭ ንናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኤርትራን ኣልሸባብን ዘተኣሳስር መርትዖ ከምዘይተረኽበ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም ከምዝደሊ'ውን ኣፍሊጡ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ካብ ስዑዲ ንምምላስ ትውጥን

Radio Erena: 18 April 2017

Returnee Eth Sau

ስዑዲ ዓረብ፣ ሚልዮናት ዜጋታት ወጻኢ ብግዴታ ቅድሚ ምስጓጓ፣ ብፍቓዶም ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክወጹ ንዘቕረበቶ ጻውዒት፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ክጥቀምሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተማሕጺኑ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነዚ ናይ ስዑዲ ናይ 90 መዓልታት ጻውዒት ተጠቒሞም ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ኢትዮጵያውን፣ መውጽኢ ቪዛን ካልእ ወረቓቕትን ምስላጥ ይኹን ናይ መጓዓዝያ ሓገዝ ንኽህቦም ተዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘሳልጥ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.