c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ

Radio Erena: 21 April 2017

Egy FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣቶ ወርቅነ ገበየሁ ኣብ ከተማ ካይሮ ድሕሪ ምርኻብ'ዩ ብኡ ንብኡ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ።

ንሱ ኣብ ናይ ካርቱም ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶርን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ክዘራረብ'ዩ።

ዝምድና ግብጽን ሱዳንን ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ሻሕኪሩ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘለዎ ቁጠዐ ንምግላጽ፣ ናብ ሃገሩ ንዝገሹ ዜጋታት ግብጺ መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣመሓላሊፉ።

Read more...

"ግብጺ፣ ንጸጥታ ኢትዮጵያ ዝጻብኡ ወገናት ካብ ምድጋፍ ከምእትቁጠብ ገሊጻ" ቀ/ሚ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 21 April 2017

Ethio FM

ግብጺ፣ ንጸጥታ ኢትዮጵያ ዝጻብኡ ወገናት ካብ ምድጋፍ ክትቁጠብ ከምዝተመባጽዐት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝሓበረ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ብሮቡዕ 19 ሚያዝያ ኣብ ካይሮ ብምርኻብ፣ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን'ዩ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብቲ ናይ ካይሮ ርክቦም፣ ብዛዕባ'ቲ ገና ንኢትዮጵያን ግብጽን ዘሰሓሕብ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ነሕሰ 2016 ኣብ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ 669 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 April 2017

Ethio Unrest

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ነሕሰ 2016 ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ናዕብን ተቓውሞ ናይ ዝተቐትልሉ ሰባት ብዝሒ 669 ከምዝበጽሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘለዎ ኮሚሽን፣ ነቲ ጉዳይ ከጻርዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰሉስ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርሖ ጸብጻብ'ዩ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓር፣ ኦሮምያን ደቡብን ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 669 ከምዝበጽሕ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኮሚሽን ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብቶም ዝተቐትሉ 669 ሰባት እቶም 63 ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 603 ከኣ ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ኣስሚርሉ።

Read more...

ኡጋንዳ፣ ዳግማይ ምዝገባ ሞባይል ሲም ካርድን መንነት ወረቐትን ይካየድ

Radio Erena: 20 April 2017

Sim Card

ኣብ ኡጋንዳ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝውንኖ ሞባይል ሲም ካርድ ደጊሙ ከምዝግብ ብዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት፣ ልዕሊ 7 ሚልዮን ሰባት ዳግማይ ከምዝተመዝገቡ ኣፈኛ ኮሚሽን መራኸቢታት ኡጋንዳ ኢሳቕ ካለምበ ብምጥቃስ ጋዜጣ ኒው ቪዥን ሓቢራ።

ዝተሓደሰ ወረቀት መንነት ወይ ከኣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብዚ ዳግመ ምዝገባ ከምዝስረዙ'ዩ ዝሕበር ዘሎ።

ኮሚሽን መራኸቢታት ኡጋንዳ (UCC) ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት፣ ኣብዘን ካብ 12 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብዘን ሸውዓተ መዓልታት ሲም ካርዱ ደጊሙ ዘየመዝገበ ነባሪ ኡጋንዳ፣ ሲምካርዱ ከምዘይሰርሕን ኣብቲ ሶምር ካርድ ተመዝጊቡ ዝነበረ ሕሳባት ከኣ ከምዝድስክልን ኣፍሊጡ።

Read more...

የመን፣ ሄሊኮፕተር ወዲቓ ብምሕምሻሻ 12 ወትሃደራት ስዑዲ ዓረብ ሞይቶም

Radio Erena: 20 April 2017

Heli

ኣብ ምዕራባዊ የመን፣ ኣብ ወትሃደራዊ ስርሒት ዝነበረት ሄሊኮፕተር ብ18 መጋቢት ወዲቓ ብምሕምሻሻ መኮንናት ዝርከብዎም12 ወትሃደራት ስዑዲ ዓረብ ሞይቶም።

ንግስነት ስዒዲ ዓረብ ጠቕንቲ ምውዳቕ እታ ሄሊኮፕተር የጻርዮ ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፣ ካብ ናይ ወገን ኣሃዱታት ሰራዊት ብጌጋ ብዝተተኮላ ጸረ ነፈርቲ ከምዝተሃርመት ሚኒስተሪ ምክልኻል የመን ይጠቕስ።

እዚ ናብ የመን ኣብ ልዕሊ ዝወፈረ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ዝኸበደ ሓደጋ ምዃኑ ዝተገልጸ ሞት 12 ወትሃደራት ዘስዓበ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር፣ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጄምስ ማቲስ ብዛዕባ ጸጥታ የመን ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.