c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ወላዲ ናይቲ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ኣብ ዝኣዘዞ ናይ የመን ስርሒት ዝተቐትለ ኣመሪካዊ፣ ምስቲ ፕረዚደንት ንምርኻብ ዝቐረበሉ መደብ ነጺግዎ

Radio Erena: 28 February 2017

Trump Yemen

ወላዲ ናይቲ፣ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዝመጸለን ፈለማ መዓልታት፣ ኣብ ዝኣዘዞ ናይ የመን ስርሒት ኮማንዶ ዝተቐትለ ኣመሪካዊ ወትሃደር፣ ምስቲ ፕረዚደንት ንምርኻብ ዝነበረ መደብ ከምዝነጸጎ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

ንሱ፣ ሬሳ ወዱ ካብ የመን ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ንክራኸብ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት መደብ እኳ እንተተታሕዘሉ፣ ኣማውታ ወደይ ምጽራይ የድልዮ'ዩ ብምባል፣ ነቲ ርክብ ከምዝነጸጎ'ዩ ተገሊጹ።

እቲ ቢል ኦወንስ ዝተብሃለ ኣቦ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ክረኽበካ ደልዩ ዝብል መልእኽቲ ንዘመሓላለፈሉ ሰራሕተኛ ዋይትሃውስ፣ ክረኽቦ ኣይደልን'የን ክብል'ዩ መሊስሉ።

Read more...

ኣብ ዞባ ከሰላ ተጨውዮም ዝጸንሑ 28 ሰባት ናጻ ከምዝወጹ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 February 2017

Sudan For Kassala

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ዝጸንሑ 28 ሰባት ፣ ብዝተኻየደ ወትሃደራዊ ስርሒት ናጻ ከምዝወጹ ተሓቢሩ።

ሬድዮ ዳባንጋ፣ ንኣዛዚ ናይቲ ሰሉስ 21 ለካቲት ዝተኻየደ ስርሒት፣ ሜጀር ዓብደልከሪም ዓብደልዳፊ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ሚደሲሳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዞባ ከሰላ ዝተጨውዩ 28 ስደተኛታት ከምዘለዉ ምስተረጋገጸ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ስርሒት ከምዘካየድዎ ኣመልኪታ።

በቲ ስርሒት፣ ንሓድሕዶም ብሰንሰለት ዝተኣስሩ ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮ ዝርከብዎም 28 ስደተኛታት ናጻ ከውጽኡ እንከለዉ፣ ሰለስተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

Read more...

ኣብ ደቡብ ኣፍርቃ ኣንጻር ወጻእተኛታት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 27 February 2017

South Africa Xeno

ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብዘካየድዎ ዘለዉ ናዕብን መጥቃዕታትን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ፕሪቶርያ ሓቢሮም።

'ናይ ስራሕ ዕድላትና ይምንጥሉና ኣለዉ' ካብ ዝብል፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብፍላይ ኣብ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን፣ ካብ 20 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ብዘካይድዎ ዘለዉ ናዕቢ ሓያሎ ዜጋታት ናይጀርያን ኣቝሲሎም።

ብዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ብዜጋታት ሶማላን ናይጀርያን ንዝውነን ሓያሎ ትካላትን ኣብያተ ሸቐጥን'ውን ዘሪፎምን ኣዕንዮምን።

Read more...

ፍሉይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 27 February 2017

Nikoilas Kay

ከም መቐጸልታ ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ወኪላተን ናብ ኤርትራ ዝልእካ ዘለዋ፣ ፍሉይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኒኮላስ ከይ ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ፍሉይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምርኻብ፣ ኣበርክቶ ልምዓታዊ ሓገዛትን ምግታእ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደትን ኣብ ዝብል ነጥቢ'ዩ ተዘራሪቡ።

ብሪጣንያ፣ ብዝሒ ናይቶም ዓመታዊ ዶብ ፈረንሳ እናሰገሩ ዑቕባ ዝሓቱ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ስደተኛታት ካልኦት ሃገራትን ከምዘተሓሳስባ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ'ያ ጸኒሓ።

Read more...

ኤርትራ፣ ዓመታዊ ዘጋጥም ብዝሒ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ካብ 1400 ናብ 350 ወሪዱ

Radio Erena: 24 February 2017

UNDP

ኣብ ኤርትራ ዓመታዊ ዘጋጥም ዝነበረ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ፣ ካብ 1400 ናብ ኣስታት 350 ከምዝወረደ ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ዝርኣየላ ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ብገምጋም ዓመታዊ ካብ ዝሓርሳ ኣስታት 100 ሽሕ ኣዴታት እተን 1400 ክሞታ ምጽንሐን ኣመልኪቱ።

ጠንቂ'ዚ ድማ፣ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝሓርሳ ኣዴታት፣ ግቡእ ቅድመ ሕርሲ ክንክን ሕክምና ከምዘይረኽባን፣ ብክኢላታት ተደጊፈን ኣብ ትካላት ጥዕና ስለዘይሓርሳን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.