c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ካብ ዳዕሽ ድሕሪ ምምላጦም ብሚሊሻ ሚስራታ ተታሕዞም ዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ተለቒቖም

Radio Erena: 06 April 2017

Eri ISIS

ካብ ዳዕሽ ድሕሪ ምምላጦም ብሚሊሻ ሚስራታ ናይ ሊብያ፣ ተታሕዞም ንዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ናጻ ከምዝተለቑ ሮይተርስ ካብ ሊብያ ሓቢሩ።

እቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 28 ኤርትራውያን፣ ኣብ ከተማ ሲርተ ብዳዒሽ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነታ ከተማ ካብቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ንምንጋፋ ብሚሊሻ ሚስራታ ድሕሪ ዝተወስደ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ'ዮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክሃድሙ ክኢሎም።

እንተኾነ ሚሊሻ ሚስራታ'ውን፣ ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ንዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ሸውዓተ ናጀርያውያንን ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሎም ኣብ ቀይዲ'ዩ ኣጽኒሕዎም።

Read more...

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝህሉ ሓባራዊ ንጥፈታት ቁጠባ ኤርትራውያን ንኽትሳተፎ ክዕድማ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 06 April 2017

Bashir Haile

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ናብ ኤርትራ'ውን ክበጽሕ ምዃኑ ብምእንፋት፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝህሉ ሓባራዊ ንጥፈታት ቁጠባ ኤርትራውያን ንኽትሳተፎ ክዕድማ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ድሕሪ ምርኻብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘእንገድዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ'ዩ።

ይኹን'ምበር ብዛዕባ'ቲ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዝሃቦ ኣንፈት፣ መዓስን ካልእ ዝርዝራቱን ኣይገለጸን።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ መግለጺኡ፣ እዚ ብሱዳን ኢትዮጵያን ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ንኹለን ሃገራት እቲ ዞባ ከካትት እንተኽኢሉ፣ ስደት፣ ጥሜትን ግርጭታትን ዘየብቕዓሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣረዲኡ።

Read more...

ኣመሪካ፣ ኣብ የመን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዳ ገሊጻ

Radio Erena: 06 April 2017

Drone

ኣመሪካ ካብ መወድእታ ወርሒ ለካቲት ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ክፍሊ ካፕቴን ጀፍ ዳቪስ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ጥራይ ኣመሪካ ልዕሊ 70 ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት CNNኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ካብ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብክልተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ'ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዒላማታት ዘነጻጸረ ደብዳብ፣ ዘውረዶ ዕንወት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ይኹን'ምበር ኣብ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብ የመን የመልክቱ።

Read more...

ካቢነ ሚኒስተራት ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ጽምብል ዕለተ ልደቱ ከም ህያብ ዘበርከተሉ "ዓርብያ ስንኩላን" ኣብታ ሃገር ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 06 April 2017

Mugabe

ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዚምባብዌ፣ ብእርጋን ተሰኒፉ ንዘሎ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ብምኽንያት መበል 93 ዓመት ልደቱ፣ ብኤልክትሪክ እትሰርሕ ዓረብያ ስንኩላን ብህያብ ከምዘበርከተሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣባላት ካቢነ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ዓረብያ ስንኩላን ህያብ ምብርካቶም፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ምንቕስቓስ ይጽገም ከምዘሎ ዘረድእ'ዩ ክብሉ ሓያሎ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት'ታ ሃገር ግምታቶም ይህቡ።

ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ውሽጢ'ቲ ቤተ መንግስቲ ካብ ናብን ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ እዋን፣ እታ ዓርብያ ስንኩላን፣ክትሕግዞ ትኽእል'ያ ተባሂላ ብኣባላት ካቢነ ከም ህያብ ክትልገሰሉ ከምዝተሓስበት'ውን ካልኦት ወገናት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

Read more...

ሆላንድ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም ናብ ዓዶም ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰሎም ከተሕድግ ምዃና ተጠንቕቕ

Radio Erena: 05 April 2017

Holand Er

ኣብ ሆላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም ናብ ዓዶም ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰሎም ከሕድግ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ኣጠንቒቑ።

መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር WNL ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ሜላታት እናተጠቕሙ ንኽዛወሩ ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ ጠቒሳ።

ሚኒስተር ፍትሕን ድሕነትን እታ ሃገር ክላስ ሀንሪከስ ደመኒከስ ድየኮፍ ብዛዕ'ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ሃቦ መብርሂ፣ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ይመላለሱ ምህላዎም ይሕበር እኳ እንተኾነ፣ ብመርትዖ ክረጋገጽ እንተኽኢሉ ግና ናይ ዑቕባ መሰሎምን መንበሪ ፍቓዶም ክሕደጉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.