c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ሃ/ድሕነትን ጸጥታን ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት ህግደፍን ሓድስቲ ተጸናጸንቲ (ናይ እዝኒ) የዋፍር

Radio Erena: 08 February 2017

Ear

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ህግደፍን ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ናይ ስለያ መሓውር ብሓድሽ ይትክኦ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዞም ንመሳርሕቶም ክጸናጸኑን ክስልዩን ብመንግስቲ ዝምልመሉ ዘለዉ ሓድሽቲ ኣባላት፣ ብስም ቤት ትምህርቲ ካድር፣ ናይ ስራሕ ወፍርን መገሻን በብጉጅለ ናብ እምባትካላ፣ ዓላ፣ ናቕፋን ካልኦት ከተማታትን ኤርትራ እናተላኣኹ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

Read more...

ግብጺ፣ ካብ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምሽማት ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከቲማ

Radio Erena: 08 February 2017

Eg Rus

ግብጺ፣ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምሽማት ምስ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ስምምዕ ከምዝኸተመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ሃገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበራ ናይ ነዳዲ ንግዳዊ ስምምዕ ድሕሪ ምብታኹ፣ ነዳዲን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን እትሽምተለን ኣማራጺ ሃገራት ከተናዲ'ያ ጸኒሓ።

ካብ ዒራቕ ዓመታዊ 12 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረ ነዳዲ ንምሽማት ስምምዕ ንምክያድ ውጥን ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ጣሪቕ ኤል ሞላ፣ ናብ መልክዕ ማይ ዝተቀየረ ተፍጥሮኣዊ ጋዝ (liquefied natural gas) ድማ ካብ ሰለስተ ሃገራት ንምሽማት ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣረጋጊጹ።

Read more...

ላብቴክ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣስታት 700 ሽሕ ዶላር ዝግመት ናይ ላብራቶሪ ኣቝሑ ንምትካል ተዓዊቱ

Radio Erena: 07 February 2017

Labtech

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ኩባንያ 'ላብቴክ'፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ፕሮጀክት ምትካል ናይ ላባራቶሪ ኣቑሑ ከምዝተዓወተ ገሊጹ።

እቲ ንሕክምናዊ ላባራቶሪ ዘገልግሉ ኣቑሑ ኣብ ምፍራይ ምትካልን ዝነጥፍ ኩባንያ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ዝምወል ኣብ ኤርትራ ዝሰላሰል ናይ 2.8 ሚልዮን ድርሃም፣ ማለት ኣስታት 700 ሽሕ ዶላር ፕሮጀክት ምህናጽ ዘመናዊ ላባራቶሪ ከምዝተዓወተ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ፕሮጀከት ኣበይ ቦታን መዓስን ከምዝሰላሰል ኣይሓበረን።

ኩባንያ ላብቴክ፣ ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን'ውን ብተመሳሳሊ ሰፋሕቲ ናይ ላባራቶሪ ፕሮጀክታት ንምዕዋት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Read more...

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 08 February 2017

Soma Ele

ንተደጋጋሚ እዋን ክሰጋገር ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ሎሚ ሮቡዕ 08 ለካቲት 2016 ይካየድ ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተመርጹ ኣባላት ፓርላማ፣ ሎሚ ኣብ ዘካይድዎ ዕጹው ምርጫ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዝመርሕ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ክመርጹ'ዮም።

ኣልሸባብን ካልኦት ጉጅለታትን ሶማል፣ መጥቃዕቲ ከየካይዱ ካብ ምስጋእ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተጋቢኦም፣ ፕረዚደንት ዝመርጹ ካብ ዘለዉ 275 ኣባላት ፓርላማ ሶማል እቶም ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ድርብ ዜግነት ዝሓዙ'ዮም።

Read more...

ግብጺ፣ ዓመታዊ 12 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ካብ ዒራቕ ንምሽማት ትዝቲ

Radio Erena: 07 February 2017

Oil Tanker

ግብጺ ኣብ ወርሒ ሓደ ሚልዮን በርሚል ካብ ዒራቕ ንምሽማት ስምምዕ ተካይድ ምህላዋ ማዕከን ዜና ኣሕራም ገሊጹ።

እታ ሃገር ኣብ ዓመት 12 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ንምሽማት ምስ ዒራቕ ስምምዕ ተካይድ ዘላ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ድሕሪ ምባላ'ዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ነዳዲ ግብጺ ጣሪቕ ኤል ሓዲዲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገሩ ካብ ዒራቕ ነዳዲ ንምሽማት ስምምዕ ተካይድ ከምዘላ ብምርግጋጽ፣ እቲ ካብ ዒራእ ዝሽመት ነዳዲ፣ ኣብ ግብጺ ክጻረ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.