c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መበል 15 ዓመቱ የቑጽር

Radio Erena: 12 April 2017

Issu Meles

ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ መበል 15 ዓመቱ ኣቝጺሩ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዶብ ኣሳቢቦም ኣብ 1998 ዝወልዕዎ ኵናት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ድሕሪ ምህላቑን ሚልዮናት ከኣ ካብ መነባብርኦም ድሕሪ ምምዝባሉ፣ ኣብ ታሕሳስ 2000 ዓ.ም ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝኸተምዎ ስምምዕ ኣልጀርስ ከኣ፣ ዘሰሓሕቦም ዶባት ናብ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ድሕሪ ምቕራቡ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምሃቡ ኣይርሳዕን።

Read more...

"ቀጠር ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጅያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን'ያ ዘላ፣" ኣሚር ቀጠር

Radio Erena: 12 April 2017

Qatar Ethiopia

ቀጠር ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጅያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን'ያ ዘላ ክብል ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ ገሊጹ።

ኣሚር ቀጠር፣ ነዚ ዝገለጸ ብሰኑይ 10 ሚያዝያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣበርክቶ ቀጠር ኣብ ምፍታሕ ግጭታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ንዝተጻወተቶ ተራ ድሕሪ ምምስጋን፣ ኢትዮጵያ ምስ ቀጠር ዝምድንኣ ከተዕሙቕ ከምእትደሊ ኣረጋጊጹ።

ብጉዳይ ተቓወምቲ ኦጋዴንን ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝሃቦ ሸፈነን ከምኡ ድማ ኣተኩሮ ቀጠር ናብ ኤርትራ ዛዝዩ ብዝብልን ዝምድና ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብ 2008 ደስኪሉ ምንባሩ ይዝከር።

Read more...

ኣብ ሶማል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ንምቕታል ዝዓለም መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 11 April 2017

Soma Gen

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ማእከል ወትሃደራዊ ስልጠና ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 10 ሰባት ተቐቲሎም።

ዕላማ እቲ ብሰኑይ 10 ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኮይኑ ንኸገልግል ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ብፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ንዝተመዘዘ ጀነራል ኣሕመድ መሓመድ እርፊድ ንምቕታል ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኮለነል ዓብዲ ሓሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወትሃደራዊ ክዳን ለቢሱ፣ ተመሳሲሉ ናብቲ ማእከል ስልጠና ዝኣተወ መንእሰይ፣ ኣብ ነብሱ ተኣሲርዎ ዝነበረ ነታጕ ብምፍንጃር ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ሓቢሩ።

Read more...

ኣብ ሆላንድ ዝካየድ ዋዕላ መንእሰያት ተቓውሞ ከይገጥሞ ዝሰግአ ህግደፍ፣ ንጹር ቦታን ሰዓታትን ካብ ምሕባር ይቑጠብ

Radio Erena: 11 April 2017

YPFDJ

ካብ ሮቡዕ 13 ክሳብ 17 ሚያዝያ ኣብ ሆላንድ ዝካየድ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፣ ንሓያሎ ወገናት የከራኽር ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ዋዕላ ክቋረጽ ብሓያሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታትን ፈተነታት ከምዝተኻየደ ዝሓብሩ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት፣ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ብወገኑ፣ ካብ ሓያል ተቓውሞ ብምስጋእ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ሰዓታትን ቦታን ብምስጢር ሒዝዎም ከምዘሎ ጠቒሶም።

ኩነታት ኤርትራ ክሳብ ኣብ ፓርላማ ሆላንድ ከምዝተዘተየሉ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽም ዘሎ መንግስትን፣ ነቲ መንግስቲ ተቖጻጺሩ ዘሎ ህግደፍን እንታይ መርገጺን ስጉምትን ይወሰድ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ'ዩ ዘከረኻር።

Read more...

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ ነዳዲ ምልኣኽ ትጅምር

Radio Erena: 11 April 2017

Oil Tanker 2

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ ነዳዲ ክልትእኽ ከምዝጀመረት ሚኒስተር ነዳዲ ስዑዲ ካሊድ ኣል ፋሊሕ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፣ ካብ ስዑዲ ዝተበገሳ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ኣርባዕተ መራኽብ ኣብ ግብጺ ከምዘራገፋ ሚኒስትሪ ነዳዲ ግብጺ ብወገኑ ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ምልኣኽ ነዳዲ ናብ ግብጺ ዳግም ትጅምሮ ዘላ፣ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት፣ ጎኒ ጎኒ'ቲ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፣ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተኻየደ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.