c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ንገዛእ ሓዉ ከምዝቀንጸለ ይግለጽ

Radio Erena: 16 February 2017

North Korea

ሓዉ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ማሊዥያ ተሰሚሙ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ ኪም ጆን ናም፣ ብሰኑይ 13 ለካቲት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኳላ ሉምፑር ተሰሚሙ ከምዝሞተ ዘረጋገጸ ክፍሊ ስለያ ደቡብ ኮርያ፣ ጠንቂ ሞቱ፣ ናይ ቅንጸላ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊቱ።

ክልተ ደቂንስትዮ፣ መርዚ ዝተለበጠ መራፍእ ከምዝወግኦኦ ዝጠቐሳ ካልኦት ምንጭታት ዜና እቲ ዞባ ድማ፣ ሓደ ካብተን ጥርጡራት፣ ናይ ቬትናም መንነት ዘለዋ ጓለነስተይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ መርመራ ይካየደላ ምህላዉ ሓቢረን።

Read more...

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 40 ሽሕ ጥሪት ሞይተን

Radio Erena: 16 February 2017

Somali Region

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ክልል ሶማል ተኸሲቱ ብዘሎ ደርቂ ኣብ ክልተ ዞባታት ጥራይ 40 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ከምዝሞቱ፣ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምውካስ ብዘቕረበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ክልል ሶማል ዞባታት ዳዋን በሊበን 40,861 እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታ ተመዝጊበን።

እተን 29,955 ጤለ በጊዕ ክኾና እንከለዋ፣ እተን ዝተረፋ ድማ ከም ኣድጊ፣ ገመልን ዘጠቓለላ እንስሳ ዘቤት'የን።

Read more...

ፓርላማ ሶማሊላንድ፣ ሕ/ኢማራት ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከት ክትከፍት ብምሉእ ድምጺ ደጊፉ

Radio Erena: 15 February 2017

UAE navy

መንግስቲ ናይታ ካብ ሶማል ተፈልያ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ ዘላ ሶማሊላንድ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ገማግም ባሕሩ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ፈቒዱ።

144 ኣባላት ፓርላማ ናይትታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ብሰንበት 12 ለካቲት ኣብ ዘካይድዎ ጽዑቕ ዘተ፣ ነቲ ብሕቡራት ኢማራት ዝቐረበ እማመ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝደገፉ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጸን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ሳዓድ ዓሊ ሺረ ብዛዕባ'ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሰንኪ'ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ዘቕረበቶ እማመ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ክሃስስ ከምዘይደሊ ምሕባሩ ይዝከር።

Read more...

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገኒኑ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ይዋፈሩ

Radio Erena: 15 February 2017

Underage2

ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም፣ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ፣ ምውፋር ቆልዑ ኣብ ልመናን ናይ ጉልበት ስራሕን፣ ውጽኢት ናይቲ ኣለይቲ ስድራ ዝኾኑ ኣቦታትን መንእሰያትን፣ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍርታት ሚሊሻን ተጸሚዶም ምህላዎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሓያሎ ሓረስቶት ስድራቤታት፣ ብሰንኪ'ዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና፣ ንማሕረስ ዝወፍር ኣባል ስድራ ብምስኣነን፣ ገሊኤን ናብ ልመና ክዋፈራ ኣንከለዋ፣ ገሊኤን ከኣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ይስደዳ ምህላወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

Read more...

ሃ/ ጋ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድር ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ተሸሊማ

Radio Erena: 14 February 2017

Cycling

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰሉስ 14 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ፡ ውድድር ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።

ኣብ ሰዓታት ረፋድ፡ ተቐዳደምቲ ሞሳና ደበሳይ፡ ወጋሕታ ገብረሂወት፡ ወሓዚት ኪዳነን ብስራት ገብረመስቀል፡ 41.8 ኪሎ ሜትር ንምሽፋን ኣብ ዘገብርኦ ቅድድም፡ ነዚ ርሕቐት ብ1 ሰዓት፡ 1 ደቒቕን 55 ካልኢታትን ብምዝዛም፡ ኣብ 2013 ንዝፈጽምኦ ቕያ ሻምፕዮን ደጊመንኦ።

ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብ10 ካልኢታት ድሒራ ካልአይቲ ክትወጽእ ከላ፡ ግብጼ ድማ፡ 1 ደቒቕን 42 ካልኢታትን ተፈንቲታ ሳልሰይቲ ኮይና ኣትያ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.