c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ናይ 74 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: 22 February 2017

Libya Zawya

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ናይ 74 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዛውያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተገፊዑ ዝተረኽበ ሬሳ፣ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ናይ ዝተበገሱ ስደተኛታት ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝተበሳስዐት ናይ ጎማ ጃልባ'ውን ስለዝተረኽበት፣ እቲ ሬሳ በታ ጃልባ ናይ ዝተበግሱ ስደተኛታት ክኸውን ከምዝኽእል፣ ነቲ ሬሳ ኣብ ምእካብ ዝተዋፈረ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ካብ ሊብያ ሓቢሩ።

Read more...

ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ንምሽማት ትሰማማዕ

Radio Erena: 22 February 2017

UAE

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ንምሽማት ስምምዕ ከምዝኸተመት ተገሊጹ።

እታ ሃገር ነዚ ስምምዕ ትኽትም ዘላ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ኣህጉራዊ ምርኢትን ዋዕላን ኣጽዋርን ምክልካልን ብሰንበት 19 ለካቲት ኣብ ዝተኸፍተሉ ኣጋጣሚ'ዩ።

ኣፈኛ ናይቲ ምርኢትን ዋዕላን ብርጋደር ጀነራል መሓመድ ዓሊ ሻምሲ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ 15ትካላት ውሽጢ ሃገርን ሽዱሽተ ናይ ወጻእን፣ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሓይሊ ምድርን ሓይሊ ባሕርን ዘተኮረ ስምምዓት ከምዝተኸተመ ኣረጋጊጹ።

Read more...

ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ኪር ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላጽ ስልጣኖም ይሓድጉ

Radio Erena: 21 February 2017

South Army

ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላጽ ስልጣኖም ይሓድጉ ከምዘለው ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ዛጊት ብወለንትኦም ስልጣኖም ካብ ዝሓደጉ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ላዕለዋይ ዳኛ ሄንሪ ኦያይ ናያጎ፣ ሓላፊ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ፣ ኻልድ ኦኖ ሎኪ፣ ሚኒስተር ዕዮ ጋብሪኤል ዶፕ ላምን ወትሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ቶማስ ሲሪሎ ስዋካን ይርከብዎም።

እቶም ወትሃደራውን ሲቪላውን ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ስልጣኖም ብወለንትኦም ክሓድጉ ዝተገደድሉ ምኽንያት፣ ብፕረዚደንት ኪር ዝምራሕ መንግስቲ፣ ብዓሌታዊ ኣድልዎን ብልሽውናን ዝተቖማጠዐ'ዩ ብዝብል'ዮም።

Read more...

ህዝቢ ባጽዕ ብፋሉላት ኣኽላባት ይሻቐል፣ ምምሕዳር ድማ "ኣብ መጽናዕቲ ኣሎና" ይምልስ

Radio Erena: 21 February 2017

Dogs in Massawa

ኣብ ከተማ ባጽዕ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሰባት ጉዳኣት ዘውርዱ ዘለዉ ፋሉላት ኣኽላባት ኣዘራራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንኣኽላባት መቕተሊ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ስሚ ብውድብ ጥዕና ዓለም ስለዝተወገዘ፣ ካልእ ኣማራጺ ንምንዳይ ኣብ መጽናዕቲ ከምዘለዉ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሴ ገሊጹ።

እቲ ኣመሓዳሪ  ብሓሙስ 16 ለካቲት ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ ንጠንቂ ምብዛሕ ፋሉላት ኣኽላባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣-

“ብቑጽሪ እኳ ብዙሓት እንተዘይኮኑ፡ ኣብታ ከተማ ብዘሎ ካብ ትካላት ዝጓሓፍ ተረፍ-መረፍ መግቢ ዓሳ፡ ንዕኡ ክምእርሩ ኣብ ከባቢ ባጎኒታት ጐሓፍ ፋሉላት ኣኽላባት ከምዝራኣዩ ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ከተማ ዝረአ ልሙድ ተርእዮ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን ኢሉ።

Read more...

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም'ዩ

Radio Erena: 21 February 2017

Guell Chirac

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ካብ ቤተ መንግስቲ ፈረንሳ- ኤሊዘ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ምዃኑ ዝሓበረት ጋዜጣ ዥን ኣፍሪክ፣ እዚ ድማ ፈረንሳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ኣተኩሮ ብመጠኑ ከምዝጎደለ ዝእንፍት'ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝወሓደ ተገዳስነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ካብ ስልጣን ክእለ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ'ዩ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ኤሊዘ ዓዲምዎ ዘሎ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.