c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ፕረዚደንት ሶማል ሓድሽ ቀ/ሚ መዚዙ፣ ፈላሚ ዑደቱ ናብ ስዑዲ ኣምሪሑ

Radio Erena: 24 February 2017

King Salman

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ መሓመድ፣ ፋርማጆ፣ ፈላሚ ወግዓዊ ዑደቱ ብስዑዲ ዓረብ ፈሊሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ወከልቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ22 ለካቲት ወግዓዊ ጽምብል ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻም'ዩ፣ ንጽባሒቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምሪሑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ፣ ምስ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሶማልን ብዝምልከት ጉዳያት ብምዝርራብ፣ ስዑዲ ከተበርክቶ ብዛዕባ እትኽእል ቁጠባውን ልምዓታውን ሓገዛት ዘትዮም።

Read more...

መራሕቲ ሕቡራት ኢማራትን ሱዳንን ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕርን የመንን ዘትዮም

Radio Erena: 23 February 2017

Bashir in UAE

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን፣ ምስ ወራስ ዓራትን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፣ ኣብ ኣቡዳቢ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን የመንን ዘትዮም።

ብዘይካ'ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ቁጠባውን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት- ዋም ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ዓረብ ከምዝተዘራረበ'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

Read more...

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል፣ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ጽምብል፣ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ

Radio Erena: 23 February 2017

Somali New presi

መበል ታሽዓይ ፕረዚደንት ሶማል ኮይኑ ዝተመርጸ መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ብሮቡዕ 22 ለካቲት ቃለ ማሕላ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ስርሑ ንምጅማር ቃለ ማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ኬንያን ዝርከብዎም መራሕትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ወከልቲ ሃገራት ኩዌት፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራት ዓረብንው'ን ተረኺቦም ኔሮም።

ካብ ዞባውን ኣህጉራውይን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ይኹን ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ዝተኻየደ ጽምብል ኣይተሳተፉን።

Read more...

ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ኬንያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 23 February 2017

Al Sisi Uhuru

ኣብ ታሪኽ ግብጺ ናይ መጀመርያ መራሒ ናብ ኬንያ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝኣወሉ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ከምዝተኻየደሉ ጋዜጣ ዘ ኔሽን ሓቢራ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት ድማ ምስ ፕረዚንት ኬንያ ኡሁሪ ኬንያታን ካልኦት ሰበ ስልጣን ኬንያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊ ጉዳይት፣ ኣውራ ድማ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብምትኳር ዘትዮም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 18 ክሳብ 20 ለካቲት ኣብ ኬንያ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾና ሃገራት ጀሚርዎ ዘሎ ስልታዊ ርክባት ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

Read more...

ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 22 February 2017

French Embassy

ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምፍጻሙ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ካብ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ሓላፊ ክፍሊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ሬሚ ማረሾ ዝመርሖ፣ ልኡኽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስመራ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ዘትዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ልኡኽ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥረ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝታይ ወኪላተን ናብ ኤርትራ ዝልእካ ዘለዋ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.