c


ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተረጋጊጹ፣ 155 ኤርትራውያን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ

Radio Erena: 06 August, 2014

Libya coast

ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ 180 ኤርትራውያን ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ሃለዋታ ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እታ ጃልባ ካብ ክሊ ማይ ሊብያ ከይርሓቐት ከምዝጠሓለትን እቶም 155 ድማ ከምዝሞቱን ተረጋጊጹ።

ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከኦም 25 ኤርትራውያን ግና ብሓገዘ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሒኖም ናብ ትሪፑሊ ተመሊሶም ከምዘለዉ ጀማል ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣሰጋገርቲ ምግላጹ ይጥቐስ።

እቲ ጀማል ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ነቶም ኤርትራውያን ብጃልባ ዘበገሰ ሰብ፣ ንሓደ ሓደ ስድራቤት ግዳያት ናይቲ ባሕሪ ድሮ ከርድኦም ጀሚሩ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ።

ብዛዕባ'ታ እታ ቅድሚ ወርሒ ማለት ኣብ 27 ወይ 28 ሰነ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ተበጊሳ ዝተባህለ ጃልባ ግና ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ የለን።

ብዛዕባ'ዚ ብሓደ ወርሒ ተፈላልዩ ዝተኸስተ ኣጋጣሚታት ሓደጋ ባሕሪ ዝተፈላለየ ሓበሬታታ ይውሕዝ ብምህላዉ፣ ብፍላይ ብዛዕባ'ታ ቅድሚ ወርሒ ደሃይ ዘጥፍአት ጃልባ ብዝምልከት ኣዝዮም ብዙሓት በቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ስድራቤታትን መቕርብን ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋል ይሓቱ ብምህላዎም፣ ሬድዮ ኤረና ርጉጽ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸበትሉ ክትፍንዎ'ያ።

ብዛዕባ'ታ 155 ኤርትራውያን ለኪማ ከምዝጠሓለተ ዝተረጋገጸት ጃልባ ብዝምልከት ድማ ካብቲ ሓደጋ ምስ ዝደሓኑ ዝተኻየደ ሓጺር ቃለ ምልልስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከነቕርበልክክኩም ኢና።
==========================================================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.