c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

መበል 103 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ይዝከር

Radio Erena: 08 March 2017

March 8

08 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ'ውን ብማዕረ ክሳተፋን እተዘኻኽር ዕለት'ያ።

ብዘይካ'ዚ'ውን ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጽሞ ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰላ ጎዳኢ ልምድታት፣ ሓደ ካብ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ'ውን ሸሞንተ መጋቢት ተዘኻኽር።

እዛ ዕለት ብደረጃ ዓለም ንመበል 103 ዓመት'ያ ትዝከር ዘላ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ'ውን፣ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይዝክራኣ ኣለዋ።

መብዛሕተ እዘን ኣብ ስደት ዝነብራ ኤርትራውን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስትኡ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከምዘተሓሳሰበን ብምግላጽ፣ ንፍትሕን ለውጥን ክቃለሳ ምዃነን የረጋግጻ።

ኣብ ኤርትራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ ብሰንኪ ፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐያ ከምዘለዋን ንገሊኤን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ግፍዕታት ከምዝወረደንን ይፍለጥ።


====================================

 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.