c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ስዑዲ ዓረብ ኣማኢት ወትሃደራት የመን ኣሰልጢና

Radio Erena: 03 March 2017

Yemen Army

ስዑዲ ዓረብ ከተሰልጥኖም ዝጸንሐት ኣማኢት የመናውያን ወትሃደራት ኣመሪቓ።

እቶም ብሮቡዕ 1 መጋቢት ኣብ ከተማ ዓደን ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተኻየደሎም፣ ወትሃደራት፣ ምስ ሰራዊት መንግስቲ የመን ተጸንቢሮም ኣብ ምቁጽጻር እታ ሃገርን ምውሓስ ጸጥታን እጃሞም ከበርክቱ ምዃኖም ንኣዘዝቲ ሰራዊት ልፍንቲ ብምጥቃስ ጋልፍ ኒውስ ሓቢራ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ 2015 ኣብ የመን ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ካብ ዝጅምር፣ ኣብ የመንን ኤርትራን ኣሽሓት ወትሃደራት መንግስቲ የመን ከምዝሰልጠኑ'ዩ ዝግለጽ።

ብምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ኣማኢት ወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ዓደን ኣብ ሓለዋ ትካላት መንግስቲ ተዋፊሮም ከምዘለዉ'የን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገልጻ።

=========================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.