c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ኣብ ሱዳን ዝተሰነዐ ቪዛ ክሸይጥ ከምዝጸንሐ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተታሒዙ

Radio Erena: 28 February 2017

Eri Visa

ኣብ ሱዳን፣ ዝተሰንዐ ቪዛ ክሸይጥ ከምዝጸንሐ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ካርቱም ከምዝተኣስረ ኣል ኒለን ዝተባህለት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢራ።

እቲ ጀብራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ካርቱም፣ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ስሙን ምሉእ መንነቱን ኣይተሓበረን።

ፖሊስ ሱዳን፣ ነቲ ጥርጡር ንምሓዝ ናብቲ ገዛ ኣብ ዝኣተውሉ፣ 10ታት ናይ ኤርትራ ፖስፖርት፣ 17 ዝተሰነዐ ድሉው ናይ ኤርትራ ቪዛታት፣ 15 ድማ ዘይተወድአ ቪዛታት ከምዝጸንሐ እታ ማዕከን ዜና ብኣሳእል ኣሰንያ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና ኣፍሊጣ።

ብዘይካ'ዚ ኣብቲ መንበሪ ገዛ፣ ዝተራቐቐ ናይ ደኩመንታት መሰንዒ ማሺን፣ ዝተፈላለየ ማሕተማትን ናይ ወጻኢ ባጤራታትን'ውን ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።

Visa 2

 

 

ስእሊ፣ መርበብ ሓበሬታ ኣል ኒለን

==================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.