c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

መራሕቲ ሕቡራት ኢማራትን ሱዳንን ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕርን የመንን ዘትዮም

Radio Erena: 23 February 2017

Bashir in UAE

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን፣ ምስ ወራስ ዓራትን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፣ ኣብ ኣቡዳቢ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን የመንን ዘትዮም።

ብዘይካ'ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ቁጠባውን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት- ዋም ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ዓረብ ከምዝተዘራረበ'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ ናብ ሕቡራት ኢማራት ምብጻሕ ክፍጽም እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ'ዩ።

ሱዳን፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲን ብምድጋፍ፣ ኣስታት ሓደ ስሕ ሰራዊት ናብ የምን ድሕሪ ምልኣኻ፣ ካብዘን ክልተ ሃገራት ናይ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ናይ ልምዓት ፕሮጀክታትን ቁጠባዊ ሓገዝን ይግበረላ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጥራይ ኣብ ሱዳን ናይ ልዕሊ 11 ቢልዮን ፕሮክት ክህልወኣ እንከሎ፣ ካዝና ሱዳን ንምጥንካር፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከምዘቐመጠት ይዝከር።

========================

 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.