c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሕ/ኢ ዓረብ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 03 Januray 2016

Presi in UAE

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብሰኑይ 2 ጥሪ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ'ውን ገሊጸን።

ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብዛዕባ'ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ እትረኽቦ ዘላ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታትን ኣምሳይኡ ንኤርትራ ዝግበር ሓገዛትን ዘተኮረ ምንባሩ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ የመን ዝቐንዐ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ መራኽባን ነፈርቲ ኵናታን ኣብ ወደብ ዓሰብ ይዓርፋ ምህላወን ብሰፊሑ ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ ጥራይ'ዩ ዝጠቕስ።

ይኹን'ምበር፣ ብዘይካ'ቲ ንመራኽብን ንነፈርቲ ውግእን ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት፣ ወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን'ውን፣ ብሓገዝ ኢማራት ኣብ ከባቢ ዓሰብ በብእብረ ይስልጥኑ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና የመን ይጠቕሱ።

=============

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.