c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

መንግስቲ ሱዳን ቀይድዎም ዝጸንሐ 20 መራሕቲ ተቓወምቲ ለቒቑ

Radio Erena: 27 December 2016

Sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ 20 መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝለቐቐ ሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ሓቢሩ።

እቶም ብሰንበት 25 ታሕሳስ ዝተለቁ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲን መድሃኒት ዝተኻየደ ሰልፍታት ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ዝተቐየዱ'ዮም።

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ን20 ኣባላተን ናጻ ከምዝለቐቑ ዘረጋገጻ ተቓወምቲ ውድባት፣ ክልተ ቀንዲ መራሕቲ ግና ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ተኣሲሮም ከምዘለዉ የመልክታ።

ብዘይካ'ዚ'ውን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ተሓቲማ ንሰንበት 25 ታሕሳስ ክትዝርጋሕ እትዳሎ ንዝነበረት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣል ጣያር ፣ ካብ ዝርግሐ ከምዝዓገቱ ተሓቢሩ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ንኩሉ ቅድሓት እታ ጋዜጣ ከምዝሃገሩ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ ለካቲት 2015 ኣትሒዙ ንማሕተም ቅድሚ ምብቅዐን ዝኣገደንን ተሓቲመን ቅድሚ ምዝርግሐን ናይ ዝሃገረንን ብዝሒ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብውሕዱ 14 ይበጽሕ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ንገሊኤን ደጋጊሙ ብምእጋድ፣ ብድምር 29 ግዜ ጋዜጣታት ቅድሚ ምዝርግሐን ሃጊሩ።

===========================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.