c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 154 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ተለቒቖም

Radio Erena: 23 December 2016

Yemeni Fisher

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 154 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ከምዝተለቁ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ብ21 ታሕሳስ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምፍናዎም፣ ኣብ ደቡባዊ ገምግም ባሕሪ ናብ እትርከብ ዞባ ላሓጅ ከምዝኣትዉ እቲ ሚኒስትሪ ኣረጋጊጹ።

እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ ዝሓበረ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ፋሃድ ካፋያን፣ ንኩነታቶም እታጻሪ ኮሚተ በቲ ሚኒስትሪ ከምዝቖመት ሓቢሩ።

 "ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዓሳ ክገፉ ጸኒሖም" ዝተባህሉ ኣማኢት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ብኤርትራ ከምዝተሓዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ገሊኦም ኣብ ሓጺር ገሊኦም ከኣ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከምዝልቐቑ ዝፍለጥ'ዩ።

ቅድሚ'ቲ ብስዑዲ ዓረብን መላፍታን ኣብ የመን ዝጀመረ ግጭት፣ መንግስቲ የመን ብጉዳይ ምትሓዝ ገፍፍቲ ዓሳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ክስታት የቕርብ ምንባሩ ይዝከር።

ኤርትራን የመንን፣ ኣብ 1995 ብጉዳይ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ ድሕሪ ምስሕሓብን፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብይን እኳ እንተተዋህቦ፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውን ገፈፍቲ ዓሳን ክገፍሉ ዝግባእ ክሊ ማይን ግና ንጹር ውሳኔ ከምዘይተዋህበ'ዩ ዝምልከት።

=========================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.