c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ተወሰኽቲ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ንምሽማት ምስ ቻይና ይዘራረብ

Radio Erena: 24 March 2017

MA 60

መንግስቲ ኤርትራ፣ MA-60ዝዓይነተን ንኣሽቱ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ንምሽማት፣ ምስ ቻይና ይዘራረብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ዝሸመተን ኣስታት 60 ሰባት ዝሕዛ ክልተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ፣ ካብን ናብን ኣስመራ፣ ባጽዕን ዓሰብን ውሽጣዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ እኳ እንተተመደባ፣ ብዘጋጥመን ዘሎ ተደጋጋሚ ቴክኒካዊ ጸገማት ግና ብዙሕ እዋን ግራውንድ ይኾና ከምዘለዋ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

Read more...

ኣብ ኣፍሪቃ ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምራሕ መንግስቲ ዘለዋ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና መጽናዕታዊ ጽሑፍ ጠቒሱ

Radio Erena: 24 March 2017

Single Party

ኣብ ኣፍሪቃ ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምራሕ፣ ንጉሳዊ ዘይኮነ መንግስቲ ዘለዋ እንኮ ሃገር ኤርትራ ምዃና ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።

ይኹን'ምበር እተን ብዙሓዊ ሰልፍታት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ብዓብላልነትን ምልክን ሓደ ሰልፍን መራሕቱን ጥራይ ከምዝመሓደራ እቲ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ ስርዓታትን ምሕደራ መንግስትን መጽናዕቲ ዘካየደ፣ 'ጆኡርናል ፎር ኮንተምፖራሪ ፖሊቲክስ' ዝተሰምየ ጽሑፍ ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ዘለዋ ልዕሊ 192 ሃገራት ዓለም ብእንኮ ሰልፊ ዝምራሓ ሃገራት ሽዱሽተ ኮይነን፣ ንሳተን ድማ ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ላኦስ፣ ቬትናም፣ ቻይናን ኩባን'የን።

Read more...

ኣዲስ ኣበባ፣ ዋሕዲ ነዳዲ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 23 March 2017

Addis fuel

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

መራሕቲ መካይን፣ ቤንዚንን ናፍታን ንምርካብ ኣብ መዕደሊ ነቑጣታት ንሓያሎ ሰዓታት ተሰሪዖም ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ከምዘሎ'ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እዚ ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ንወነንቲ ታክስን ሚኒባሳትን'ውን ጸልዩ ብምህላዉ፣ ኣብ ተጓዓዝቲ ምክልባት ፈጢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ጠንቒ'ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ ብንጹር እኳ ክፍለጥ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ናይ ምምሕዳር ጉድለት ምዃኑ'ዩ ዝንገር ዘሎ።

Read more...

ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝደሓኑ 43 ተጓዓዝቲ ሓደ ኤርትራ ምንባሩ ተፈሊጡ

Radio Erena: 23 March 2017

Plane Crash

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰሉስ 21 መጋቢት ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝደሓኑ 43 ተጓዓዝቲ እቲ ሓደ ኤርትራ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ጁባ ሓቢሮም።

እታ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ዝርከብዎም 49 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት፣ ብሰንኪ ደበና ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር፣ መሸራተቲ ብምስሓት ናብ መሬት ብሕማቕ ድሕሪ ምዕላባ፣ ብኡ ንብኡ'ዩ ትክን ሓውን ተወሊዑ።

እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርትን፣ ብምሉኦም ተሳፈርታ ብህይወት ከምዝወጹ'ዩ ተሓቢሩ።

Read more...

ሕብረት ኤውሮጳ ንሕብረት ኣፍሪቃ 120 ሚልዮን ኤውሮ ለጊሱ

Radio Erena: 23 March 2017

EU Africa

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ምውሓሰ ጸጥታን ሰላምን ዝውዕል ናይ 120 ሚልዮ ኤውሮ ሓገዝ ንሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ነዚ ዘፍለጠ፣ ብምክትል ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ፈደሪካ ሞገሪኒን ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ነቨን ሚሚካን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብ17 መጋቢት ድሕሪ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ'ዩ።

ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ተለጊሱ ዘሎ ሓገዝ፣ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሰላም ምዕቓብ ተልእኾ (ኣሚሶም) ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.