c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ዜና ኤርትራ

ገዲም ተጋዳላይ ሓርነት፣ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ዓሪፉ

Radio Erena: 16 January 2017

Habte Tes

ገዲም ተጋዳላይ ናጽነትን ተቓላሳይ ሓርነትን፣ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ዓሪፉ።

ዶክተር ሃብተ፣ ካብ መጀመርያ ወርሓት ናይዛ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብሕማም ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ብዓርቢ 13 ጥሪ 2017 ዓሪፉ።

ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት ንህዝቡን ሃገሩን ዝተወፈየ ምንባሩ መዛግብቲ ቃልሲ ኤርትራ ይሕብሩ።

Read more...

ሕ/ኤውሮጳ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 22 ሃገራት መንገዲ ኣየር ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ኣናዊሕዎ

Radio Erena: 16 January 2017

Erilines

ኣገልግሎት ኣቭየሽን ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 22 ሃገራት መንገዲ ኣየር ናብ ክሊ ኣየር ኤውሮጳ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ኣናዊሕዎ።

ኣብ ድሕነት ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ዝከታተል ኮሚተ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር 2016 ብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ጉዳይ ናይተን ናብ ክሊ ኣየር ኤውሮጳ ከይበራ ኣጊዱወን ዝጸንሐ ሃገራት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምምርማር'ዩ፣ ኤርትራ እትርከበን 22 ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ዘሐደስ ዘሎ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ Airbus A320ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ኣርመንያ ብኽራይ ብምምጻእ ናይ ኤውሮጳ በረራታት ንምጅማር ውጥን ከምዝነበሮ'ዩ ዝግለጽ።

Read more...

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕይድ

Radio Erena: 14 January 2017

LYE

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ፣ ምፍራይ ፊልምን ሙዚቃን ተዋፊሮም ንዝርከቡ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕየዱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ዛጊት በጺሑና ካብ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዞም እናተኣድኑ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰኣልቲ፣ ኣወሃህድቲ ፊልምን ኣፍረይትን፣ መርሃዊ መለስ፣ ወነንቲ ዮናን ፕሮዳክሽን ዳኒኤል ኣብርሃምን ዮናስ ሰሎምንን ይርከብዎም።

ሓያሎ ካብቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝህደኑ ዘለዉ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልምታት፣ ደረስትን ኣፍረይትን፣ ኣብቲ ብ "ላቭ ዩ ኤረና" ዝፍለጥ፣ ኣብ ጀርመን ምስ ዝመደበሩ ናይ ብዙሓት ስነጥበባውያን ፍርያት ኣብ ዩቱብ ዝዝርግሕ ዘሎ ትካል ክሰርሑ ዝጸንሑ'ዮም።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ንኣዋርሕ ዝቐየደቶም ግብጻውያን ትለቕቕ፣ ን10 ዓመታት ዝቐየደቶም ክልተ ኤርትራውያን ክትፈትሕ ድማ ምሕጽንታ ይቐርብ

Radio Erena: 16 January 2017

KIdane Gama

ኢትዮጵያ፣ ብጥርጠራ ስለያን ምትሕብባር ምውላዕ ናዕብን ንኣዋርሕ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ሰለስተ ግብጻውያን ናጻ ከምዝለቐቐቶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ግብጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ናጻ ዝወጹ ሰለስተ ግብጻውያን፣ ካይሮ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከምዝተቐበልዎም ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ግብጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐይዶም ዝጸንሑ ሰለስተ ዜጋታት ንኽፍትሑ ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት ናይ ኣስታት ሓደ ወርሒ ጻዕሪ ብናጻ ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ'ዩ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዘመልክት።

Read more...

ኣዛዚ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 12 January 2017

Sudan Secu

ኣዛዚ ጸጥትን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን፣ ጅነራል መሓመድ ዓጣ ኣልመውላ ዓባስ፣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልትኣዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ጀነራል፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ካብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ።

ጀነራል ዓጣ፣ ብዛዕባ'ቲ ሓያሎ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዘተ ሱዳንን ውጽኢቱን ከምኡ ድማ ምምስራት ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ሱዳንን ብዝምልከት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ መብርሂ ሂብዎ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.