Welcome to Radio Erena!
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ብዝምልከት ብምስጢር ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ምህላዉ ተፈሊጡ።
Read more...
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ 11 ሚኒስተራት ጥራይ ምስታፎም ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ወገናት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
Read more...
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ ምዃና እቲ ዞባዊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣረጋጊጹ።
እቲ ካብ 24 ሕዳር ክሳብ 8 ታሕሳስ ዝካየድ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከል ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ እትርከበን ሓደ ሓደ ሃገራት ምስታፈን ኣጠራጣሪ ኮይኑ ስለዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዞባ ዘይርከባ ከም ካሜሮንን ማላውን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዕዱማት ብምስታፍ ንቦታ እተን ዘይሳተፋ ንምትካእ ምውጣኑ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።
Read more...
በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ኢዶም እንሃቡ ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ክጽንበሩ እንተዘይኮይኖም ካልእ ኣማራጺታት ከምዘይወሃቦም ሰራሕተኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት-UNHCR ነበር ገሊጻ።
Read more...
ንኣርባዕተ ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ኢትዮጵያን ቐጠርን ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ፣ ቐጠር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ንምሽምጋል ተበግሶ ክትወስድ ተኽእሎ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሸሕ ሓማድ ቢን ጃሲም ቢን ጃቡር ኣልታኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተራኺቡ ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድናን ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣተኵሮም ከምእተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን’የን።
Read more...
Inside Erena
ናጻ መድርኽ
Links
Powered by Joomla!®.
Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.