Welcome to Radio Erena!
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓለፈቲ ተቓወምቲ ዳርፉር ይዘራረብ ኣሎ ተባሂሉ
Radio Erena: December 13, 2013
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ዳርፉር ይዘራረቡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዕላምኡ፣ ነቶም ተቓወምቲ ዳርፉርን መንግስቲ ሱዳንን ናብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ሰላም ንምቕርራቦም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።
መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2006 ብመንጎኝነት መንገስቲ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተመ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ናይ ዳርፉር’ውን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ’ዩ ክብሉ ጠቒሶም።
KENYA: 20 heads of state to attend celebrations
Radio Erena: December 12, 2013
About 20 heads of state are expected to attend the Kenya jubilee celebrations.
The Ministry of Foreign Affairs has hired 50 limousines to ferry the foreign dignitaries.
More than 200 other top-of-the-range cars have been reassigned from government ministries and state corporations to ferry the guests.
ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ካብ ዝነበሮ መመሊሱ ይንህር ኣሎ
Radio Erena: December 11, 2013
ባጤራ ናቕፋ፣ ኣብ 1997 ካብ ዝተሓትመሉ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዝበኣሰ ዝቕባበ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ዝሓበሩ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ክኢላታት ቁጠባ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምዃኑ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምእካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት፣ ከምቲ ዝድለ ከዕውቶ ስለዘይክኣለ፣ ኣብ ወጻኢ ኣባላቱ ብምውፋር ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላን ሸርፍን’ውን ተዋፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
መጠን ሸርፊ ባጤራ ናቕፋ ብመንጽር ዶላርን ኤውሮን ክርአ እንከሎ፣ ኣብ ባንክ ኤርትራ ንሓደ ዶላር ብ 15 ናቕፋ ንሓደ ኤውሮ ድማ 18 ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ ንሓደ ዶላር 53 ን ሓደ ኤውሮ ድማ 63 ናቕፋ’ዩ ዝሸረፍ ዘሎ።
260 ኤርትራውያን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ናብ ላምፔዱሳ በጺሓ
Radio Erena: December 11, 2013
260 ኤርትራውያን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ናብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ክትበጽሕ ከምዝኸኣለት ተሓቢሩ።
እታ ጃልባ፣ ቆልቁን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 260 ኤርትራውያን ጽዒና ምንባራ’ዩ ተገሊጹ።
ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ኢጣልያን ንማልታን ይውሕዙ ብምህላዎም፣ ንመንግስታት እዘን ሃገራት ብፍላይ ንሕብረት ኤውሮጳ ድማ ብሓፈሻ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።
መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ሶማል ንዝርከቡ ዕጡቓት ይድግፍ ኣሎ ክብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ወቒሱ
Radio Erena: December 11, 2013
መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ንዕጡቓት ሶማል ምሕጋዝ ይቕጽሎ ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ሸበለ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ታሕታይ ሸበለ ንዝርከቡ ዕጡቓት ስልጠናን ሓገዝን ይህብ ኣሎ ክብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ ወቒሱ።
እንተኾነ እቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።