Welcome to the Frontpage
ኡጋንዳ ካብ ሱዳን ንዝቐረበላ ክሲ ነጺጋቶ
መንግስቲ ኡጋንዳ ንኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ይሰርሕ ኣሎ ክብል ብካርቱም ንዝቐረበ ክሲ ኡጋንዳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።
ኢትዮጵያ ንመርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዓጺያቶ
ኢትዮጵያ ንመርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ከምዝዓጸወቶ፣ እቲ ኣብ ቛጠር ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ዶሓ ዝመደበሩ መራኸቢ ብዙሃን ኣልጀዚራ፣ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምዕፋን መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ኣመልኪቶም መብርሂ ንምሃብ እኳ እንተነጸግዎ፣ ካብ ናይ ጉግልን ካልእን ብዝኣተከበ ሓበሬታ ግና ቁጽሪ ናይቶም ንመርበብ ሓበሬታ ዝከታተሉ ሰባት ካብ ግዜ ካብ ብ10ታት ኣሽሓት ወሪዱ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ከቢድ ጸገም የኸትል
ዋጋታት ናህሪ ክራይ ኣባይቲ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ሰማይ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ሕጂ'ውን ነቲ ንስድራቤታት ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ጾር ኮይንወን ዘሎ ቅልውላው ንምፍትሑ ዝኾነ ተበግሶ ንምውሳድ ቅሩብ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ንጥፈታቱ ይቕጽል
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ነቲ ብተሳተፍቲ ስርሒት ፎርቶ ኣብ 21 ጥሪ ዝቐረበ ጠለባት፣ ብዕለት 6 ናይዚ ወርሒ’ዚ ናብ ድምጺ ሓፋሽ ብምድዋል ብቐጥታ ኣብ ኣየር ከም ዝስማዕ ምግባሮም፣ ኣካየድቲ’ቲ ፕሮጀክት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣስጋኢ'ዩ ተባሂሉ
ኣህጉራዊ ማሕበር ሲቪል ኣቭየሽን፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብንተ ዘይውሑስ መንገዲ ኣየር ካብ ዘለወን 13 ሃገራት ዓለም'ያ ክብል ረቒሑዋ።

