c


ዜና ኤርትራ

ጅቡትን ኢትዮጵያን ኣብ ጸጥታዊ ውሕስነት ዜጋታተን ዘትየን

Radio Erena: 15 August 2018

Djibouti Ethiopia

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ልኡኽ ብ14 ነሓሰ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ጉዳያትን፣ ኣብ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዜጋታተን ክልተን ሃገራትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተመያይጡ።

ኣብ ድሬዳዋ ብዘጋጠመ ግጭት፣ ኣብ ልዕሊ ጅቡታውያን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ዝነብሩ ኣስታት 3 ሽሕ ዜጋታቱ ዝሓለፈ ሰሙን ኣውጽኢ።

Read more...

ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኦነግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

Radio Erena: 15 August 2018

ONLF

ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ንምስታፍ ብ13 ነሓሰ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቲ ግንባር ላዕለዎት መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዎም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ በይናዊ ናይ ቶኽሲ ምቁራጽ ኣዋጅ ኣውጺኡ'ዩ።

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝርርብ ክዕወት ዘለዎ ድሌት ዝገለጸ፣ እቲ ንናጽነት ዞባ ኦጋዴን ዝቃለስ ሓይሊ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ንመስርሕ እቲ ሰላም ዝዕንቕጹ ተበግሶታት ካብ ምውሳድ ክቑጠብ ተላብዩ።

Read more...

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ፈላሚ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 14 August 2018

eri and somaliaኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል በጺሑ።

እቲ ልኡኽ፣ ናይ ሶማል ፈላሚ ዑደቱ ንምክያድ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢልዎ።

ኣብ ሶማል ኣብ ዝጸንሓሉ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ምኽፋት ኤምባሲ ክልትኤን ሃገራትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብ15 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ታሪኻውን ፈላምን ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

Read more...

ኤርትራ ሰራዊታ ናብ የመን ክትልእኽ፣ ስዑዲ ዓረብ ትሓትት ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 August 2018

dia with saudiስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ ሰራዊታ ናብ የመን ክትልእኽ ትሓትት ከምዘላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብወገን ኤርትራ፣ ቅድሚ 5 ኣዋርሕ ኣትሒዙ እቲ ሓሳብ ከምዝተላዕለ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ኣቐማምጣ መሬት ኤርትራ ምስ ናይ የመን ዝመሳሰል ስለዝኾነ፣ ፍሉይ ስልጣና ዝወስድ ሓባራዊ ሰራዊት ናብ ኤርትራ ክልኣኽን፣ ኤርትራውያን'ውን ከም ኣካል ናይቲ ብስዑዲ ዝቖመ ልፍንቲ ሰራዊታ ክትጽንብርን ስዑዲ ዓረብ ትሓትት ከምዘላ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

እንተኾነ ኤርትራ፣ ነዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጠለብ ንምትግባር ዘለዋ ድሉውነት ገና ኣይተነጸረን።

Read more...

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስሩ 10ታት ኣመንቲ ምስልምና ብዋሕስ ተፈቲሖም

Radio Erena: 13 August 2018

Haji Mussa

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ተገፊፎም፣ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣስሮም ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 400 ኤርትራውያን እመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ 10ታት ካብኣቶም ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣትሒዞም ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዲ ኣቤቶ ተሰጋጊሮም ድሕሪ ምጽናሕ'ዮም ብዋሕስ ተፈቲሖም ዘለዉ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሓይሎ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝፈትሐ ይፍለጥ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.