c


ዜና ኤርትራ

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 26 June 2018

Eritrean delegation in Addis

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ዘተ ሰላምን ምሕንጻጽ ዶብን ፈላም ዘተ ንምክያድ ሎሚ 26 ሰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝትኣተወሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዶክተር ወርቅነ ገበየሁን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮምሉ።

ብዘይካ'ዚ፣ ከም ዶክተር ኣርከበ ዑቕባይ፣ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ኣሕመድ ሸዴን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኢህወደግ'ውን ኣብቲ ንልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ምቕባል ስነ ስርዓት ተረኺቦም።

Read more...

"ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ'ዩ፣" ኣፈኛ ሚ/ጉ ወጻኢ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 25 June 2018

Meles Alem 2

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ'ቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ናይ ሰላም እማመ ንምዝርራብ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣመሪካ ምስጢራዊ ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብርኣብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ከምዝርከብዎ ተገሚቱ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከምእትቕበሎን ከምእተተግብሮን ድሕሪ ምፍላጡ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበ ዝወርሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ 'ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝሃቦ መግለጺ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ የበግስ ምህላዉ ምሕባሩ ይዝከር።

Read more...

ኣዲስ ኣበባ፣ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

Radio Erena: 23 June 2018

Addis attack

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ሎሚ ቀዳም 23 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት'ውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምቅንጻል ዝዓለመ'ዩ ክብሉ'ዮም ሓያሎ ወገናት ካብታ ሃገር ዝገልጹ።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዘይዝኾነ ጉዳኣት ናብ ውሑስ ቦታ ተወሲዱ

Read more...

ፈረንሳ፣ ስደተኛታት ምቕባል ኣብ ልዕሊ ዝኣብያ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ እገዳ ክትግበር ትጽውዕ

Radio Erena: 25 June 2018

President Macron

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢማኑዌል ማክሮን፣ ስደተኛታት ምቕባል ኣብ ልዕሊ ዝኣብያ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ እገዳ ክትግበር ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝጸውዐ፣ ኢጣልያ፣ ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ገማግም ባሕራ ከይትጽጋዕ ከልኪላትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ዩ።

እታ ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓና፣ ናብ ደቡባዊ ሲቺልያ ክትጽጋዕ እኳ እንተሓተተ መንግስቲ ኢጣልያ ፍቓድ ከምዝኸልከላ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኢጣልያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት'ውን ናብ ገማግም ባሕራ ከይጽግዑ ዝሰጎቶም ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ናብ ስጳኛ ከምዝተሰጋገሩ ይዝከር።

Read more...

UPDATED:ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ዘርእይዎ ዘለው ምቕርራብ ይምጕስ

Radio Erena: 22 June 2018

Abiy and Issaias

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንተበግሶ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ይምጉሳ ኣለዋ።

በዚ መሰረት፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንሰለም ንዝወሰድዎ ተባዕ ተበግሶ ድሕሪ ምምጓስ ሰላም እዘን ክልተ ሃገራት ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ክፍሊ፣ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወሲዶሞ ዘለዉ ተበግሶ ዘሞግስ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕርዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝርከብዎ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ምስጢራዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ ዘለዎ ወቕቲ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.