c


ዜና ኤርትራ

ኢጣልያ መራኽባ ናብ ክሊ ማያት ሊብያ ክትልእኽ ሕቶ ቀሪቡ

Radio Erena: 28 July 2017

Libya_Migration     ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንዝነጥፉ ዘለው ውልቀ ሰባት ይኩኑ ጉጅለታት ንምህዳን፣ ኢጣልያ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክትልእኽ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ መንግስቲ ሊብያ፣ ፋይዝ ኣል ሲራጅ ሓቲቱ።

      እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ነቲ ኣብ ሓለዋን ምቁጽጻር ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡን ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ቴክኒካዊ ሓገዝ ክህብ ከምዝጸውዐ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ፓሎ ጀንቲሎኒ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

Read more...

ኢጣልያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ንምውፋሮም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 27 July 2017

ethio

ኢጣልያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ዘኽእሎም ሞያዊ ስልጠና ዝውዕል ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ።

እቲ ብወኪል ኢጣልያ ንልምዓትን ምትሕግጋዝን ዝተለገሰ ገንዘብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትካላት ፍርያት ቆርበትን ካልኦት ፋብሪካታትን ስልጠናታት ንኽረኽቡ ክሕግዞም ምዃኑ ይግለጽ።

ነቲ ናይ ምትሕግጋዝ ብ18ን 19ን ሓምለ ምስ ኢጣልያ ስምምዕ ዝኸተማ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን ማሕበር ኢንዱስትርያዊ ልምዓትን ኮይነን፣ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቕጽል ናይ ስልጠና መደባት'ውን ብመንገደን ክካየድ ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ።

Read more...

ግብጺ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝመ ትብል

Radio Erena: 26 July 2017

Egypt new military base

ግብጺ፣ ብዕብየቱ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መወዳድርቲ ዘይብሉ'ዩ ዝበለቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ብ22 ሓምለ ከምዘመረቐት ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እዚ ብስም ቀዳማይ መራሒ እታ ሃገር ነበረ መሓመድ ናጂብ ዝተሰየመ፣ ኣብ ኣሌክሳንድያ ቆይሙ ዘሎ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንኽህነጽ ክልተ ዓመት ከምዝወሰደ ተሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ እቲ መዓስከር፣ መደበር ኑክሌር'ውን ክህልዎ ምዃኑ'ያ እታ ሃገር ትገልጽ።

Read more...

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ሓዳስ ወኪሉ ኣብ ኤርትራ መዚዙ

Radio Erena: 26 July 2017

Susan Ngongi

ካሜሮናዊት ሱዛን ንጎንጊ፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ኣብ ኤርትራ ኮይና ተመዚዛ።

እዛ ዳይረክተር ሕቡራት ሃገራት ማዕከን ቆልዑ ( UNICEF )ኣብ ጋናን ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ካሜሩናዊት፣ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ካብ ኤርትራ ንዝተፋነወት ርዋንዳዊት ክርስትያን ኡሙቶኒ ብምትካእ'ያ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ኮይና ንዝቕጽል ዓመታት ከተገልግል ተመዚዛ ዘላ።

Read more...

ኡጋንዳ፣ ዕድመ ፕረዚደንት የካትዕ

Radio Erena: 26 July 2017

President of Uganda

ፖለቲከኛታት ኡጋንዳ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ሰፊሩ ንዘሎ ዕድመ ፕረዚደንት ምምሕያሽ ኽግበር ይኽእል' ዶ? ኣብ ዝብል ነጥቢ ይካታዕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ናይ ምዃን መሰል ዘለዎ ዜጋ ዕድሚኡ ካብ 35 ክሳብ 75 ዓመት ክኽውን ይሓትት።

73 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዮዌሪ ሙሰቬኒ፣ ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ወዲ 76 ዓመት ስለዝኸውን ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ናብ ምርጫ ክቐርብ ኣይፍቀዶን'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.