ዜና ኤርትራ
ኤርትራ፣ ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾነ 250 ኩንታል ኮሚደረ ተጓሒፉ
Radio Erena: 30 March 2018
ኣብ ኤርትራ፣ ንዕዳጋ ቀሪቡ ዝጸንሐ ብጸረ ባልዕ ዝተበከለ ኣስታት 250 ኩንታል ኮሚደረ ከምዝተጓሕፈ ንሚኒስትሪ ሕርሻ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ብዝተነጽገሉ ጸረ ባልዕ፣ ኣብ ጥዕና ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ዝተገልጸ፣ ኣብ ከባቢ ዞባ ማእከል ንዕዳጋ ቀሪቡ ዝነበረ ኮሚደረ፣ ብሰሉስ 27 መጋቢት ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ግዜ ምሕፋስ ምህርቲ ዝንጸግ ጸረ ባልዕ ኣብ 2017'ውን ተመሳሳሊ ተርእዮ ፈጢሩ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ደጊሙ ከይክሰት ንኣፍረይቲን ሓረስቶትን ኣስተምህሮ ሂቡ ምንባሩ ይጠቅስ።
ኤርትራ፣ ህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ኣባላት ሚ/ዜና ተኣሲሮም
Radio Erena: 28 March 2018
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፣ ኣዳላዊ ዓምዲ ገጻት ህይወት፣ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ኣብ ስነ ጽሑፍን ግጥምን ካብ ዝነጥፉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፣ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ ኣኽርያ፣ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ (እንዳ እስታዝ በሽር)፣ ኣባል ኮሚተ ወለዲ ስለ ዝነበረ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ጽልዋ ኔርዎ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ጥርጣረ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይካ ንህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፣ ንዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብቛንቋ ዓረብ (ኤሪትርያ ኣልሓዲሳ) መሓድኑር ኣሕመድን'ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣሲሮሞ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የመልክቱ።
ቀጠር፣ ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጋ
Radio Erena: 28 March 2018
ቀጠር ምስ ሱዳን ብምትሕብባር ተቓወምቲ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ንዘቕረቦ ክሲ ነጺጋቶ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ብ26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ቀጠር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወትሃደራዊ ስግኣታት ትፈጥር ከምዘላ ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ኮኒኑ።
መግለጺ ቀጠር ብተወሳኺ፣ እቲ ናይ ኤርትራ ወቐሳ ንመትከላት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ቀጠር ዝጻረርን መሰረት ዘይብሉ ሓሶትን'ዩ ክብል ደምዲሙ።
ቀጠር ኣብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ዘልዋ ድሌት ብምጥቃስ፣ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ከምዝነበራ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ተፈቲሖም
Radio Erena: 28 March 2018
ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ከምዝተፈትሑ ሆትላይን ፎር ሚግራንት ዎርከርስ ዝተሰምየ ትካል ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ እንተዘይከቲሞም ክእሰሩ ምዃኖም ድሕሪ ዝተዋህቦም ውሳኔ፣ ካብ ናብ ርዋንዳ ምዃድ ናብ ሳህሮኒም ክኣትዉ ዝመረጹ'ዮም።
ኣብዚ እዋን'ዚ ክፍትሑ ዝኸኣሉ ብሆት ላይን ንሰደተኛታትን ንወጻእተኛታትን ዝጣበቕ ማሕበርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴላቪቭ ንመስል ስደተኛታት ዝሕለቁ ጠበቃታት ብሓባር ንናይ ሓደ ካብቶም እሱራት ናይ ይግባይ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ድሕሪ ምዕዋቶም እዩ።
ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ
Radio Erena: 28 March 2018
ኢጋድ፣ ብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር ብ26 መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ።
ኣብቲ መበል 61 ፍሉይ ዋዕላ፣ ሚኒስተራትን ወከልቲ ሚኒስትርታትን ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ክሳተፉ እንከለዉ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ቻይናን ካልኦት መሻርኽቲ እቲ ዞባ'ውን ውድብ'ውን ከምዝተረኽቡ መግለጺ ኢጋድ ኣፍሊጡ።
ውሽጠ-መንግስታዊ በዓልስልጣን ንልምዓትን ወይ ኢጋድ፣ ኣብቲ ብዋና ጸሓፊኡ ማሕቡብ ማዓሊም ተመሪሑ ዘካየዶ ፍሉይ ዋዕላ፣ መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ናዕቢን ጎነጽን ካብ ምጽዋዕ እንተተቖጢቡ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ብዝቀልጠፈ ክልዓል ወሲኑ።