c


ዜና ኤርትራ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓነ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ማልታ ተዓዋቲ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኮይኑ

Radio Erena: February 24, 2014

Ibrahim

ኣብ ማልታ ኣብ፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ካብ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓደ ኢብራሂም ሑሰን ኣሕመድ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

እቲ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፣ ኣብ 2002 ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ድሕሪ ምስጋሩ፣ ኣብቲ ዓመተ እቲ ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ብጾቱ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ማልታ ዝሰገረ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኢብራሂም ሓሰን መሓመድ፣ ኣብ 2012 ብሓይሊ ባሕሪ ማልታ ካብ ባሕሪ ካብ ዝደሓኑ 1800 ስደተኛታት ሓደ ኮይኑ፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ተታሒዙ ዝጸንሐ'ዩ።

ካብቲ መዳጎኒ መዓስከር ድሕሪ ምውጽኡ፣ ምስ ቅዱስ ፓትሪክ ዝተባህለት ክለብ ኣትለቲክስ ተጸንቢሩ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ክነጥፍ ጀሚሩ። ኣብ ሓያሎ ውድድራት ብምስታፍ ዝተፈላለየ ሽልማት ክዓትር ክኢሉ።

Read more...

ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግሩ ፈቲንኩም ዝበለቶም ኤርትራውያን ክትጥርዞም ምዃና ትገልጽ

Radio Erena: February 24, 2014

Egyptian

ግብጺ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኣኤል ክትሰግሩ ፈትንኩም ንዝበለቶም ሸዓተ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ነናብ ዓዶም ክትጥርዞም ምዃና ኣልዮም ኣልሳባ ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ።

እቶም ኣብ ሲናይ፣ ብሓለዋ ዶባት ግብጺ ዝተታሕዙ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ካይሮ ድሕሪ ምቕራቦም'ዮም ነናብ ዓዶም ክምለሱ ዝተወሰነ።

እቶም ብሓለዋ ዶባት ግብጺ ኣብ ሲናይ ዝተታሕዙ ሸውዓተ ሰባት፣ ካብ ሱዳን ብበዳዌን ተጨውዮም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን እታ ጋዜጣ ገሊጻ።

Read more...

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ማላካል ሓያል ግጭት ይቕጽል፣ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምሉኦም ኣቐዲሞም ወጺኦም'ዮም

Radio Erena: February 21, 2014

Malakal

ኣብታ ሓያል ግጭት ዝካየደላ ዘሎ ብነዳዲ ሃብታም ኣብ ዝኾነ ዞባ ደቡብ ሱዳን እትርከበ ከተማ ማላካል፣ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምልኦም ከምዝወጹ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሓያሎ ወገናት ኣረጋጊጾም።

ግጭት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፣ ኣብ ማላካል ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ምንባሮም ይዝከር።

እቶም ኣብቲ ቀጽሪ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ ጁባ ክግዕዙ እንከለዉ፣ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ግና ንብረቶም ከይዝመት ኣብ ትካላቶምን ገዛውቶም ተዓጽዮም ከምዝነበሩ’ዩ ተሓቢሩ።

Read more...

እስራኤል፣ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ክትመልስ ጀሚራ

Radio Erena: February 21, 2014

Isra Ugan

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርብዎም ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ምምላስ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነቶም ድሮ ናብ ኡጋንዳ ኣፍንያዎም ዘሎ 10ታት ስደተኛታት፣ ካብ ሃገሩ ክወጽእሉ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን እንታይ ክገጥሞም ይኽእል ዝኾነ መጽናዕቲ ኣየካየደሉን።

ኡጋንዳ'ውን ነቶም ስደተኛታት ተቐቢላ ከተዕቑብ ዓሚ ስለዘለዋ ዘይኮነ፣ ኣምሳያ ናይቲ መንግስቲ እስራኤል ዝሰጎጎም ስደተኛታት ምቕባላ ናይ ገንዘብን ካልእን ሓገዝ ንኽግበረላ'ያ ክብሉ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።

እንተኾነ መንግስቲ ኡጋንዳ ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝኸተሞ ዝኾነ ወግዓዊ ውዕል ከምዘየለ'ዩ ዝሕብር።

Read more...

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ክወጹ’ዮም ተባሂሉ

Radio Erena: February 20, 2014

Deport Isra

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1500 ስደተኛታት፣ ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ክወጽ’ዮም ክብል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዞም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ካብት ኣሃገር ብወለንቶም ክወጹ’ዮም ዝብሎም ዘሎ ኣስታት 1500 ስደተኛታት መብዛሕቶም ሱዳናውያን ምዃኖም ዝተፈልተ ኮይኖ፣ ቁጽሪ ናይቶም ክምለሱ’ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ግና ኣይተነጸረን።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.