c


ዜና ኤርትራ

ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ሽልማት 'ጅግና ኣፍሪቃ' (African Heroine) ተዋሂባ

Radio Erena: April 14, 2014

Elsa Chyrum

ማሕበር ተመሃሮ ኣፍሪቃ ናይ ኦሃዮ ዩኒቨስቲ ንኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም በቲ ኣንጻር ወጽዓ ስደተኛታታት እትገብሮ ቃልሲ ፍሉይ ሽልማት ሂቡዋ።

እቲ ቀዳም 12 ሚያዝያ ኣብ ኣተንስ ኦሃዮ ዝተኻየደ ጽንብል ተሸላሚት ነቲ ዝቐረበላ ሽልማት ካብ ኢድ ዳይረክተር ኣፍሪቃን-ስታዲስ ፕሮፈሰር ስቲቭ ሃዋርድ ተቐቢለ።

ከም ኣካል ናይቲ መደብ ከኣ ሰንበት ንተመሃሮን ካልእ ኣብቲ ዓውዲ ዝግደሱን ኣስተምህሮ ሂባ።

እዚ ንኤልሳ ጭሩም ዝተዋህበ: “ጅግና ኣፍሪቃ” (African Heroine) ዝብል ስያመ ዘለዎ ሽልማት ዓመታዊ ብደረጃ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ግዱሳት እታ ኣህጉርን ዝወሃብ ሽልማት እዩ። ከም መስርሕ ናይቲ ምርጫ ድማ ንሽልማት ዝተረቝሐ ሰብ ዝገበሮ ኣበርክቶ ተገምጊሙን ንኽትዕ ቀሪቡን ብምርጫ እቶም ኣባላት ይሽለም። ኤልሳ ጭሩም እምበኣር ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ ንመሰል ስደተኛታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንኤርትራያን ከኣ ብፍላይ ብዝገበረቶ ግደ’ያ ነዚ ሽልማት በቒዓ።

Read more...

"ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዝጸንሑ 267 ኤርትራውያን ናጻ ክልቐቑ'ዮም"

Radio Erena: April 14, 2014

HRCE

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተቐይዶም ዝጸንሑ 267 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናጻ ክልቐቑ ምዃኖም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም፣ እቶም ኤርትራውያን ንኽልቐቑ ኣብ ጄኔቫ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ ሰለስተ መዓልታት መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ፣ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ ክወሃባ ከምዝጸንሐ ዝፍለት ኮይኑ፣ እታ ተጣባቒት ሰብኣዊት መሰላት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕእተኦ ሓበሬታ ድማ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብምሉኦም ክፍትሑ ምዃኖም ኣረጋጊጻ።

Read more...

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ብኮሚሽን ስደተኛታት ንዝወሃብ ዝነበረ ስልጠናታት ደው ኣቢልዎ

Radio Erena: April 14, 2014

East Sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውንን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ደው ክብል ኣዚዙ።

እቲ 'መሰጋገሪ ፍታሕ' Transitional Solutions Initiative (TSI) ብዝል ስም፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከሰላ ንዝርከቡ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሱዳናውያንን ንምሕጋዝ ዝተበገሰ ፕሮጀክት ደው ክብል ብመንግስቲ ሱዳን ትእዛዝ ዝተመሓላለፈሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እቲ ፕሮጀክት ብምወላ መንግስታት ነርወይን ኔዘርላንድስን ምትሕብባር ኮሚሽን ስደተኛታትን ፕሮግራም ልምዓትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝካየድ ዝሓበረ ኣካይዲ ናይቲ መደብ፣ ንስደተኛታትን ከቢድ መነባብርዎ ንዘለዎም ነበርቲ እቲ ዞባን ኣብ ስልጠና ኣውቶ መካኒክ፣ ምፍራይ ናይ ጸባ ከብትን ካልእ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ስልጣን ከምዝህብ ኣረዲኡ።

Read more...

መንግስቲ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝፈተኑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ስደተኛታት ቀይዱ


Radio Erena: April 14, 2014

Eri In Libya

መንግስቲ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝቐራረቡ ዝነበሩ መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ቓስም ኣዩብ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ስደተኛታት ዝጸዓና ሓሙሽተ ጀላቡ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝተበገሳሉ ብሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ከምዝተታሕዛ ብምጥቃስ 78 ካብኣቶም ካብ ምጥሓል ንስክላ ከምዘድሓንዎም ኣፍሊጡ።

Read more...

The 267 Eritrean Refugees will be freed from Negad Detention Centre

Radio Erena: April 14, 2014

Eri In Dji

HRCE is pleased to announce the plan to release the 267 Eritrean refugees from Negad detention centre by the Djiboutian authority. Following Elsa Chyrum's recent three day hunger strike in Geneva, the detained Eritrean refugees' case in Djibouti was given urgent attention, and it has been decided that on Tuesday 15 April, all of them will be released. Some have been detained up to 6 years.

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.