c


ዜና ኤርትራ

ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ መሊሱ

Radio Erena: January 8, 2014

 

Aus Eri

ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 45 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ ከምዝመለሰ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ኣቃሊሐን።

መንግስቲ ኣውስትራልያ፣ ብባሕሪ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዝኾነ ስደተኛታት ናብቲ ዝመጸሉ ክመልስ ምዃኑ ድሕሪ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ፣ ነዞም 45 ስደተኛታት ክመልሶም ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢንዶነዥያ ማርቲ ናታለጋዋ፣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ፖሊስ ብምቅዋም፣ ዘይፍትሓዊ’ዩ ክብል ክነቕፎ እንከሎ፣ መንግስቲ ኣውስራልያ ግና ብዛዕባ እቲ ፖሊስ ይኹን ብዛዕባ ምምላስ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

Read more...

ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ኤርትራን ስደተኛታታትን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽቡ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም

Radio Erena: January 7, 2014

 

POW Djኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናት ፍታሕ ክረኽቡ ኤርትራውያን ወገናቶም ጻዕርታቶም ከሕይሊ ተላብዮም።

እቶም ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኽ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣፍልጦ ከይህብ ስለዝሓንገደ፣ መንግስቲ ጅቡቲ’ውን ከም ግብረ መልሲ ቆላሕታ ምሃብ ኣብዮዎም ከምዘለዎ’ዮም ዝገልጹ።

Read more...

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ናይ 2013 ዝበለጸ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ

Radio Erena: January 6, 2014

 

nati win

ፕሮፈሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ፣ ናይ 2013 ዝበለጸ ስፖርታዊ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ካብ africatopsports.com ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ናትናኤል ብርሃነ ምስ በዓል ሳሙኤል ኤቶ፣ ዲድየር ድሮግባን ያያቶርን ዝረክብዎም 10 ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ስፖርታውያን ተረቝሑ ብምጽናሕ'ዩ፣ ክሳብ ትማሊ 5 ጥሪ ካብ ህዝቢ ብዝተኣከበ ድምጺ ቀዳማይ ዝበለጸ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ።

Read more...

ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ንውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ብምቕዋም ንሳልስቲ ዝቐጽል ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው

Radio Erena: January 6, 2014

 

eri Is

ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ንውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ብምቕዋም ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ጎደናታት ከተማታት ቴልኣቪቭን ኤላትን ናይ ተቓውሞስ ሰልፊ ዘካይዱ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት፣ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንኽረረ ዝመጽእ ዘሎ መርገጺ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብትሪ ኮኒኖም።

መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 35 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብድምር ልዕሊ 60 ሽሕ ዝተገመቱ ስደተኛታት፣ ነናብ ዓዶም ክጥርዞም ወይ ድማ ኣብ በረኻታት ኣብ ዝተደኮነ መዳጎኒ መዓስከራት ብዘይዝኾነ መሰልን ዕድላትን ክሕዞም'ዩ ወሲኑ ዘሎ።

እስራኤል ኣብ 1948 ከም ሃገር ካብ እትቐውም ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ኣስታት 200 ንዝኮኑ ሰባት ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃበት ጸብጻብ ኣልጀዚራ የመልክት።

ኣብ እስራኤል ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ካልኦትን ዝርከብዎም ልዕሊ 60 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ዝፍለጥ'ዩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከብዉ ኤርትራውያን፣ ካብ ናይቶም ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ጸገም ስለዘለዎም፣ መንግስቲ እስራኤል ንጉዳዮም ምስቶም ካልኦት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ፈልዩ ክርእዮ'ዮም ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ዝሓቱ።

Read more...

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 233 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

Radio Erena: January 3, 2014

Imigra Res

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 233 ስደተኛታት ካብ ማእከል ባሕሪ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እቶም ሸውዓተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ዜጋታት ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ሶማል፣ ፓኪስታን፣ ዛምብያን ማሊን ዝኮኑ 233 ስደተኛታት ብጃልባ እናተጓዓዙ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለወሎም እዋን'ዩ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ብንኣሽቱ ጀላቡ እናገበረ ናብ ዓባይ ናይ ኵናት መረክብ ከሰጋግሮም ዝኸኣለ።

ብምሉኦም እቶም ብወትሃደራዊት መርከ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝደሓኑ ስደተኛታት ድማ ኣብ ሲሲልያ ብሰላም ኣትዮም ኣለዉ።

ድሕሪ'ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥመን ንምክልኻል ዝዓለመ 'ማረ ኖስትሩም' ዝሰመዮ ፍሉይ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ተልእኾ ኣዋፊሩ ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.