c


ዜና ኤርትራ

እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ተወጊኡ

Radio Erena: 02 August 2018

eritrean stabbedኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናንን ግጭትን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ከምዝተወግአ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ክሊ 30ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰያት ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ኣሎ።

ፖሊስ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሕቆቑን ከብዱን ብኻራ ተወጊኡ ብደም ተዓቢሱ፣ ብ31 ሓምለ ኣብ ደቡባዊ ቴል ኣቪቭ ዝተረኽበ መንእሰይ፣ ግዳይ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎነጽ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ይኹን'ምበር ነቲ ኩነታት የጻርዮ ከምዘሎን ክልተ በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ጠቒሱ።

Read more...

ሱዳን፣ ተጨውዮም ዝጸንሑ 80 ቆልዑ ናብ ስድራቤታቶም ከምዝጸንበረት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 01 August 2018

Shegerab

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ተጨውዮም ዝጸንሑ 80 ስደተኛታት ቆልዑ፣ ኣብ መዓስከራትን ካልእ ከባቢታትን ናብ ዝርከቡ ስድራቤታቶም ከምዝተጸንበሩ ንሃገራዊ ኮሚቲ ምምካት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ቆልዑ ዝሓለፈ ዓርቢ 27 ሓምለ ናብ ስድራቤታቶም ከምዝተጸንበሩ ዘረጋገጸ ምክትል ኣቦመንበሪ እቲ ኮሚተ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋሮም ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፣ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ ጠቒሱ።

Read more...

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዝቀረበሉ ሕቶ፣ ስትራቴጅያዊን ከቢድን ሕቶ ስለዝኾነ፣ ካልእ ግዜ ክንዘራረበሉ ኢና ክብል መሊሱ

Radio Erena: 01 August 2018

Ethiopian PM

ኣብ ኣመሪካ፣ ንዜጋታቱ ሰሚናራት ዘካየድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ናይ ታርኽ፣ ናይ ሕጊን ባህርን መሰል ስለዘለዋ፣ ንስኻ እትመርሖ መንግስቲ ነዚ ክቕበል ድዩ ንዝብል ካብ ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ፣ እዚ ስትራቴጅያዊ ከብዲ ሕቶ ስለዝኾነ፣ ሰፊሕ ግዜ ክወስደልና ስለዝኽእል ኣብ ካልእ እዋን ክንዘራረበሉ እዋን ክብል ሰጊርዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘካትዕን ዘመያይጥን ዘይብሉ ክነሱ፣ ከም ስትራቴጅያዊ ሕቶ ወሲዱ፣ ብሰፊሕ ክንመያየጠሉ ኢና ምባሉ፣ ምስቲ ሓያሎ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ዘልዕልኦ ዘለዋ ሕቶ ዋንነት ዓሰብ ብምትሕሓዝ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይካትዕሉን ይዝትይሉን ኣለዉ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ጅቡቲን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 August 2018

Ambassador Tekeda Alemu

ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ጅቡትን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ፣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ኣምባሳደራ ንባይቶ ጸጥታ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ድማ መንግስታት ኤርትራን ሶማልን ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዓትን ዝምድናታት ናብ ንቡር ናይ ምምላስን መስርሕ፣ ኣብ ዞባና ቅልጡፍ ናይ ምትሕግጋዝን ጸጥታን ምዕባለታት ይርአ ምህላዉ ኣዘኻኺሩ።

ምእንቲ ጸጥታን ሰላምን እቲ ዞባ ክትብል ኢትዮጵያ፣ ንዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝከኣላ ክትሰርሕ ምዃና እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።

Read more...

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ብዛዕባ ዶብ ከምዘይተዘራረቡ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 31 July 2018

abiy in USኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰሚናር ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ብዛዕባ ዶብ ከምዘይተዘራረቡ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝገበርናዮም ዝርርብ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዶብ ኣየልዓልናን። ሓቂ ንምዝራብ ጉዳይ ዶብ ካልኣዊ'ዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ዝግበር ርክብ'ዩ። ጉዳይ ዶብ እንተል ኣልዒልና ዘይክንረዳዳእ ስለንኽእል፣ ኣብቲ ካልእ ሓፈሻዊ ጉዳያት ጥራይ ኢና ተዘራሪብና" ክብል ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 17 ዓመታት፣ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይወጸ፣ ኣይንዘራረብን ኢና፣ እቲ ካልእ ጉዳያት ካልኣዊ'ዩ" እናበለ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.