c


ዜና ኤርትራ

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 5000 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ክኣቱ ፈቒዱ

Radio Erena: December 25, 2013

 

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝቖጻጸርዋ ዘለዉ ባኒቱ፣ ኣብቲ ግጭት ናይ ተቐትሉ 34 ሰባት ዝተቐርብርሉ ጋህሲ ከምዝተረኽበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ጁባ'ውን ክልተ ተመሳሳሊ ጋህስታት ክህሉ ከምዝኽእል እቲ ውድብ ገሊጹ።

ኩነታት ደቡብ ሱዳን ናብቲ ዝኸፍአ ዓሌታዊ ግጭት ከይዓርግ ኣስጋኢ'ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን፣ኣመሪካ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝዋፈሩ 150 ሰራዊት ባሕርያ ናብ ጅቡቲ ልኢኻ።

Read more...

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፣ ንደገፍቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ንኽሕውሉ ዝሃቦ ምኽሪ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተነቒፉ

Radio Erena: December 24, 2013

 

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብት ሃገር ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ዝልእኽሉ ምኽሪ ከምዝለገሰሰ ጋዜጣ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እቲ ኤምባሲ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ናብ ኤርትራ ገንዘብ ክልእኩ እንተኾይኖም ብመንገዲ ኣብ ጀረምን ዝርከብ ባንክ ከሰጋግርዎ ከምዝኽእሉ ምኽሪ ምልጋሱ፣ ንሕጊ እስራኤል ዝጻረር’ዩ ክትብል’ውን እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

Read more...

ባንክ ዓለምን IMFን ኤርትራ ንእትርከበን 39 ሃገራት ዘለወን ዕዳ ንኽሓድጉለን ኣብ መስርሕ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም

Radio Erena: December 23, 2013

 

ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ኤርትራ ንእትርከበን 39 ሃገራት ዘለወን ዕዳ ንክሓድጉለን ኣብ መስርሕ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣህጉራውያን ትካላት ፊናንስ፣ ካብ 1996 ኣትሒዞም ን36 ሃገራት ናይ 96 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዝሓደጉለን ብምዝኽካር፣ ኣብዚ እዋን ድማ ብድምር ክሳብ 114 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ንምሕዳግ ኣብ መስርሕ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

Read more...

ኢራን ንተቓወምቲ የመን ኣብ ኤርትራ ከምእተሰልጥኖም መርትዖ ረኺበ ክትብል ጋዜጣ ኣልወጠን ንዘቕረበቶ ዜና፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ካብ ሪያድ ሓሶት'ዩ ክብል ነጺግዎ

Radio Erena: December 23, 2013

 

ጋዜጣ ኣልወጠን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን ዕጡቓት ሁቲ ናይ የመን ኣብ ኤርትራ ከምእተሰልጥኖም ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምቕራባ፣ ኣብ ሪያድ ዝመደበሩ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ሓሶት'ዩ ክብል ናይ ተቓውሞ ግብረ መልሲ ከምዘስምዐ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ናብታ ገዛጣ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ፣ ህላወ ኢራንን ተቓወምቲ ሁቱን ኣብ ኤርትራ ሕእሶት ምዃኑ ብምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ እብ ምርግጋእ ከምዝሰርሕ ከረድእ ፈትኑ።

Read more...

Eritrean ambassador attacked by dissident Eritreans

Radio Erena: December 23, 2013

 

More than 50 Eritreans arrested for violently attacking their countrymen, ambassador during a conference held in Kinneret. Later Saturday, community held protest together with other asylum seekers; two arrested

Israel's Eritrean community had a rough day Wednesday after a peaceful conference held in the Kinneret ended in a violent brawl and a protest in the evening ended in arrests.

Some 50 Eritreans were arrested Saturday after they violently descended on a peaceful conference organized by their own community, wounding 12 and attacking the Eritrean ambassador to Israel.

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.