c


ዜና ኤርትራ

"ርዋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል'ያ፣" ሚ./ጉ/ወጻኢ ርዋንዳ

Radio Erena: 27 November 2017

Rwanda Israel

ርዋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሉዊስ ሙሺኪዋቦ ኣፍሊጣ።

እታ ሚኒስተር፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ፣ ኒው ታይምስ ምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ሃገሩ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቅ፣ ርዋንዳን እስራኤልን ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሩዋንዳ ክጣየሱ'ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ገና ኣብ ውዱእ ስምምዕ ከምዘይበጽሓ ኣነጺራ።

ይኹን'ምበር እቲ ምዝርራብ ይቕጽል ከምዘሎን እቶም ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ ብድሌቶም ምዃኖም ኣቐዲሙ ክረጋገጽ ከምዘለዎን እታ ሚኒስተር ብተወሳኺ ኣገንዚባ።

Read more...

ኤርትራ፣ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ ሃ ምፍርራሕን ናይ ቃል መጥቃዕትን ይፍጽማ ምህላወ ተወቒሰን

Radio Erena: 27 November 2017

Gerahtu

ላዕላውይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሰብኣዊ መሰላት ወይ ሽፔሻል ራፖርቱር ንዝገብርኦ ዘለዋ ምፍርራሓታትን ዘውርድኦ ዘለዋ ጸርፍን ዘለፋን ኮኒኑ።

እቲ ኮሚሽን፣ "መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣብ ልዕሊ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት" ብዝብል ኣርእስቲ ብ21 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ነቲ 47 ኣባላት ዝሓቖፈ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘነእእስን ዘቆናጽብን ትስጉምታት ክወስዳ ከምዝርኣያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ፣ በዚ ክሲ'ዚ ብቀዳምነት ተጠቒሰን ዘለዋ ኤርትራ፣ ብሩንዲን ፊሊፒንስን'የን።

Read more...

ሱዳን፣ ሱ 35 ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፍርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ትሽምት

Radio Erena: 27 November 2017

Su 35 Sudan

ሱዳን፣ ሱ-35 ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ክትሽምት ምዃና ሓደ ካብ ኣገልግሎት ዜናታት ሩስያ፣ ሪያ ኖቮጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ንመግለጺ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መራሕቲ ሱዳንን ሩስያን ኣብ ዝተራኸብሉ፣ ብዛዕባ ተወሳኺ መሸጣ ነፈርቲ ውግእ ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ ኣረጋጊጻ።

ሓደ ሰሙን ቅድሚ መገሻ እቲ ፕረዚደንት ክልተ ሱ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ናብ ካርቱም ከምዝኣተዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሱዳን፣ ኤስ- 300 ዝዓይነቱ ረጸ ነፈርቲ፣ ሚሳይላትን ጸረ ነተጕትን ዝኣመሰሰሉ ኣጽዋር'ውን ተገዲሳትሎም ከምዘላ ፕረዚደንት በሺር ብተወሳኺ ሓቢሩ።

Read more...

ሕቡራት ሃገራት ብዝገበሮ ምወላ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ቁሸት ዓጀርበብ ዝርከባ 368 ስድራቤታት ጸሓያዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ረኺበን

Radio Erena: 27 November 2017

UNDP Ajerbeb

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ቁሸት ዓጀርበብ ዝርከባ 368 ስድራቤታት፣ ሕቡራት ሃገራት ብዝገበሮ ምወላ ጸሓያዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲ ከምዝረኸባ ቤት ጽሕፈት ወኪል ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ኣዳፕተሽን ፉንድ ብዝተባህለ ፕሮጀክት ተመዊሉ ብምትሕብባር ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዝተተኽለ ጸሓያዊ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ፣ ንነብርቲ ቁሸት ካብ ዝነበሮም ናይ ጸልማት ናብራን ሃልኪ ናይ ላምባን ዕንጨይትን ጸዓት ገላጊልዎም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብታ ቁሸት ንእትርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ'ውን ሳላ'ዚ ጸሓያዊ ኤሌክትሪሲቲ፣ ንተማሃሮኣ ናይ ኮምፒተር ስልጠና ክትህብ'ውን ክሕግዛ ምዃኑ ገሊጹ።

Read more...

ፈረንሳ፣ ኣብ ጉዳይ'ቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ትጠልብ

Radio Erena: 24 November 2017

Paris manif

ፈረንሳ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ጠሊባ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ነቲ ዝሓለፈ ቅንያት ብመደበር ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ዝቐረበ መሸጣ ደቂሰብ ኣብ ሊብያ ዘርኢ መደብ፣ ብወግዒ ድሕሪ ምኹናን፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ሊብያ ንዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ስደተኛታት ንምቅዋም፣ ብቀዳም 18 ሕዳር ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ሰፊሕ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.