c


ዜና ኤርትራ

ከባቢ ድርፎ፣ ናብ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ዝጸዓነት መኪና ብምግምጣላ ብውሕዱ 18 መንእሰያት ሞይቶም

Radio Erena: 10 April 2018

Eri accident

ናብ ከባቢ ጋሕተላይ፣ ናብ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ዝጸዓነት መኪና ኣብ ከባቢ ድርፎ፣ መንገዲ ሸግርኒ ብምግምጣላ ብውሕዱ 18 መንእሰያት ከምዝሞቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣቐዲሞም'ውን ኣብ ከባቢታት ሕምብርቲን ኣፍዓበትን ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ንተወሳኺ ታዕሊም ናብ ከባቢ ጋሕተላይ እናተዘዋወሩ እንከለዉ'ዩ ብ4 ሚያዝያ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

መብዛሕተን ግዳያት እቲ ሓደጋ ደቂንስትዮ ምዃነን ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት 25 ዝኾኑ'ውን ብኸቢድን ፈኵስን ከምዝቖሰሉ ኣመልኪቶም።

ስድራቤታት ናይ ዝበዝሑ በዚ ሓደጋ ዝሞቱ መንእሰያት ድሮ ተረዲኦም ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከቡ።

Read more...

ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኣስሩ ክልተ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም

Radio Erena: 09 April 2018

Abdelkadir and Mohamednur

ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዞም ተኣስሮም ዝጸንሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ።

ነባሪ ኣኽርያ ዝኾነ ህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቓድር ኣሕመድን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣልሓዲሳ መሓመድኑር ያሕያን፣ ድሕሪ ዝተኻየደሎም መርመራ ብሮቡዕ 4 ሚያዝያ ከምዝተፈትሑ'ዮም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ጠንቂ መእሰሪኦም ዝተሓበረ ነገር እኳ እንተዘየለ ምስ ናይ ኣኽርያ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ምዃኖም'ዮም እቲ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ዝእምንቱ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ፣ ምስቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2017 ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያን ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓተ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ንዝነበረ መንፈስብ ብዝተሓሓዝ፣ ሓያሎ ነበርቲ ኣኽርያ ዝኾኑ ወለዲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

Read more...

የመን፣ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብሚሊሻ ሑቲ ከምዝቐትለ ተሓቢሩ

Radio Erena: 09 April 2018

Houthi killed Eritrean

ሚሊሻ ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ንሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ከምዝቐተሉ ማዕከን ዜና ኣልዓረብያ ንምንጭታቱ ካብታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ብሰሉስ 3 ሚያዝያ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ እትርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል ላሕያ ዝተቐተለ ኤርትራ፣ ከም ሩዝ፣ ፊኖ፣ ዘይትን ካልእ ሃለኽቲ ነገርትን ንምሽማት ብጃልባ ናብታ ሃገር ዝኣተወ'ዩ።

ዝሸመቶ ነገራት ኣብ ጃልባ ጽዕኑ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝወርድ ዘሎ ዕንወት መሕወይ ግብሪ ተወሳኺ ክፍሊት ተሓቲቱ፣ ክኸፍል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ሓደ ዕጡቕ ኣባል ሑቲ ቶኪሱ ከምዝቐተሎ'ዩ እቲ ምንጪ ዝጠቕስ።

ሚሊሻ ሑቲ፣ እቲ ኤርትራዊ ነጋዳይ ካብ ዝተፈቕደ ንላዕሊ ፊኖን ካልእን ሃለኽቲ ነገራትን ሒዙ ናብ ኤርትራ ክኸየድ ብምፍታኑ ከምዝቐተልዎ'ዮም ዝገልጹ።

Read more...

ስዊዘርላንድ፣ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገሩ እትመልሶ ኤርትራዊ ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር ክትህብ ናይ ክብሪ ቆንስል ኤርትራ ይእምም

Radio Erena: 09 April 2018

Swiss to Expel Eritreans

ስዊዘርላንድ፣ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገሩ ክትመልሶ እትሕልን ኤርትራዊ ስደተኛ ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር (15 ሽሕ ስዊስ ፍራንክ) ክትህብ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ዶ/ር ቶኒ ሎሸ ኣብ ዘቕረቦ እማመ ገሊጹ።

እቲ ስዊዘርላንዳዊ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ንጋዜጣ 20 ደቃይቕ ዝሃቦ መብርሂ፣ 99% ካብቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት 'ዮም ድሕሪ ምባል፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ናብ ዓዶም ክመልሶም እንተወሲኑ ቁጠባዊ ሓገዝ ክግበረሎም ከምዝግባእ'ዩ ዝማጎት።

እቲ ናይ ክብሪ ቆንስል ነዚ ዝገለጸ፣ ስዊዘርላንድ፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ዝጸንሑ ኣስታት 3200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ እትዘራረበሉ ዘላ እዋን'ዩ።

Read more...

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ክዕጸዉ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 08 April 2018

 refugees in libyaኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ክዕጸዉ፣ ሚኒስተር ንግዲ ነዘርላንድስ ጸዊዓ።

ሚኒስተር ሲግሪድ ብ3 ሚያዝያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከራት ምስ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዘይሳነ ብምዃኑ ብቕጽበት ክዕጾ፣ መተካእታኡ ካልእ ክፉት መዓስከራት ክህነጽ ጠሊባ።

እዛ ሚኒስተር ንግዲ ነዘርላንድስ፣ ካብ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ትገብር ዘላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እያ።

ንሳ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብኣካል ናብ ሊብያ ብምብጻሕ ንገለ መዳጎኒ መዓስከራት ከምዝበጽሐት ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዝረኣየቶ መዓስከራት ንክብሪ ወድሰብ ዘዋርድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣገልግሎታቱ ትሕቲ ዜሮ ከምዝኾነ መስኪራ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.