c


ዜና ኤርትራ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ክልተ መራሕቲ ዕጡቓት ኦሮሞ ናብ ሃገሮም ኣትዮም

Radio Erena: 13 June 2018

Oromo groups

ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ክልተ ወትሃደራውያን መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኦሮሞ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ጻውዒት ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቶም ዮናታን ዱቢሳን ኣበበ ገረሱን ዝተባህሉ ክልተ መራሕቲ፣ ናይ ግብጺ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሃግሩ ምስ ዝምለስ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ናይ ዝመደበሩ ግንቦት ሸውዓተ ምክትል መራሒ ዝኾነን፣ ናብ ኤርትራ እናተመልሰ ኣብ የመን ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብምሕረት ክፍታሕ እንከሎ፣ መራሒ ናይቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ንምእላይ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ውድብ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ከኣ ብልዕሊኡ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ክሲ ከምዝተላዕሊ ይፍለጥ።

Read more...

ሕ/ ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደብ ሖዴይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተካይድ

Radio Erena: 13 June 2018

UAE jet fighters

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ብዛዕባ'ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ሖዴይድ እተካይዶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምዝርራብ ብሰኑይ 11 ሰነ ናብ ኣቡ ዳቢ ኣትዩ።

ንሱ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ወራሲ ዓራትን ምክልት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ብምርኻብ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተደገፈ ሰራዊት መንግስቲ የመን፣ ነታ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት፣ ወደብ ንምቁጽጻር ተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተካየደ፣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሑቲ ክምንዝዓ ግና ኣይከኣለን።

Read more...

ውሳኔ ኢህወደግ፣ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን የካትዕ

Radio Erena: 11 June 2018

Eritrea Ethiopia flags

ፈጻሚት ሽማግለ ኢህወደግን መንግስቲ ኢትይጵያን፣ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከምዝቕበልዎን ከምዘተግብርዎን ዘሕለፍዎ ውሳኔ፣ ንኢትዮጵውያን ከፋፊልዎም ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን ይቓላሕ ኣሎ።

ገለ ኢትዮጵያን እቲ ውሳኔ ንሰላምን ሰናይ ጉርብትና ኣፍደገ ዝኸፈት'ዩ እናበሉ ክድግፍዎ እንከለዉ፣ገሊኦም ከኣ ከቢድ ዋጋ ተኸፊልዎ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከብ ባድመን ካልእ ከባቢታትን ብከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክሕደግ ኣይግባእን ብምባል ተቓውምኦ የስምዑ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብቲ ንኤርትራ ክወሃብ ዝተወሰነ ባድመን ካልእ ዓድታትን ዝርከቡ ኢትዮጵውያን፣ እቲ ውሳኔ ንጉዳይ መንነቶምን ዜግነቶምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብ ትግራይ ተሰሚዑ።

Read more...

ኤርትራ፣ ተታሒዞም ዝጸንሑ 37 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተፋንዮም

Radio Erena: 12 June 2018

Yemeni fishermen2

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 37 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ከምዝተታሕዙ ዝተገልጹ የመናውያን ትማሊ 11 ሰነ ናብ ዓዶም ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን ፋሃድ ካፋን፣ ገና ኣስታት 110 ተሪፎም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ነቶም ዝተረፉ ንምፍታሕ መንግስቲ የመን ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ጠቒሱ።

ኤርትራን የመንን ብዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓኒሽ ዘካየድኦ ኵናት፣ ብሕጋዊ መንገዲ መዕለቢ ከምዝተገብረሉ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ዘይምርድዳእ ከምዘሎ'ዩ ይፍለጥ።

Read more...

ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ መንእሰይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ

Radio Erena: 11 June 2018

Cairo airport

ካብ ኣመሪካ፣ ተሰጕጉ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰያት፣ ኣብ ግብጺ መዓርፎ ነፈቲ ካይሮ ድሕሪ ምብጽሑ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ዘርእሰናይ ኤርሚያስ ተስፋጽዮን ዝተባሀለ ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ንምስግጋር ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ናይቲ ተታሒዝሉ ዝነበረ ቦታ' ብቀዳም 9 ሰነ'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሬስኡ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ፣ ነቶም ኣሰንዮሞ ዝመጹ ኣባላት ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣመሪካ ከምዝተረከበ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.