c


ዜና ኤርትራ

መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 11 February 2018

depor_demoመንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ናይ ፊርማታት ምእካብ ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ብኤርትራውያንን ብሪጣንያውያንን ዝተጸወዐ ፊርማ ናይ ምእካብ መስርሕ እኹል ድምጺ እንተረኺቡ፣ ፓርላማ ብሪጣንያ ክዝትየሉ ከምዝግደድ እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ መንግስቲ እስራኤል ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መስርሕ ንምቅዋም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ፊርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ እውን ማዕረ ማዕሪኡ ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

Read more...

ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ከሰላ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ኣዋፊራ

Radio Erena: 09 February 2018

sudan

ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ከሰላ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ከምዘዋፈረት ንመደበር ቴሌቪዥን ኣሽሩቕ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደማ ጃማ፣ እቲ ኣብ ካርቱም ተዋፊሩ ዘሎ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ፣ ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ኣጽዋርን ከምኡ ድማ ዘይሕጋዊ ንግዲን ሃለኽቲ ነገራትን ክነጥፍ'ዩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣቐዲሙ ዝተዋፈረ ሰራዊት ውሕስነት ጸጥታ ዶባት ከረጋግጽ እንከሎ፣ እዚ ሕጂ ተላኢኹ ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ ከኣ ንውሽጣዊ ኩነታት ዞባ ከሰላ ክቆጻጸር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Read more...

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፋቶ ንዘላ ውሳኔ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ

 Radio Erena: 07 February 2018

Israel Rwanda

መንግስቲ እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፍዎ ንዘሎ ውሳኔ ንምቅዋም፣ ካብ ሎሚ ሮቡዕ 7 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዓለም ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ'ዩ።

እዚ ብኤርትራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተወዲቡ ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ርዋንዳ ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ ዝብል ውሳኔ ብምኹናን፣ ርዋንዳ ነዞም ስደተኛታት ከይትቕበል ዝጽውዕ'ዩ።

ነዚ ናይ መንግስቲ እስራኤል ውሳኔ ንምቅዋም፣ ኣሽሓት ምሁራት፣ ሓካይም፣ ጠበቓታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላት ማሕበረሰብ ሃገረ እስራኤልን ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

Read more...

UNHCR፣ ብጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ

Radio Erena: 09 February 2018

israel

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፣ ብጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ምስ መንግስቲ እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ዝርርብ፣ እስራኤል ንገለ ክፋል እቶም ስደተኛታት ሕጋዊ ኣፍልጦን ዑቕባን ክትህቦም፣ ነቶም ዝተረፉ ድማ UNHCR ናብ ካልእ ዝያዳ ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ከሰጋገሮም ዝብል ይርከቦ።

ወኪል UNHCR ኣብ እስራኤል ሻሮን ሃረል፣ ከምዚ ዓይነት ምርድዳእ ክግበር ከምዝከኣል ብምግላጽ እቲ ዝርዝራት ገና ክስርሓሉ ከምዘድሊ ኣገንዚባ።

Read more...

ግብጽን ሱዳንን፣ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ንምዝታይ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲ ጸጥታን ክራኸቡ'ዮም

Radio Erena: 07 February 2018

Egypt Sudan FM

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ናብ ዝበኣሰ ዝርዙ ዓሪጉ ዘሎ ምትፍናን ግብጽን ሱዳንን ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሓለፍቲ ጸጥታን ክልቲኤን ሃገራት፣ ንሓሙስ 8 ለካቲት ክራኸቡ'ዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ከተማ ካይሮ ካይሮ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ፣ ፕረዚደንታት ሲሲን በሽርን ድሕሪ ዝበጽሕዎ ምርድዳእ ዝተወሰነ ምዃኑ የነጽር።

ብመሰረት እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ክልትኣዊ ዘተ ከካይዱ እንከለዉ፣ ሓለፊ ጸጥታ ብወገኖም ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዕጹው ኣኼባ ከካይዱ'ዮም።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.