c


ዜና ኤርትራ

ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍትን ነበር ብክሲ ብልሽውና ይእሰሩ

Radio Erena: 14 November 2018

General Kinfe

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሓለፍትን ናይቲ ብሜቴክ ዝፍለጥ መንግስታዊ ትካል ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ብክሲ ብልሽውና ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝመሓላለፍኦ ዜና፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ዝነበረ ጀነራል ክንፈ ዳኘው፣ ናብ ሱዳን ንምስጋር ኣብ ዝፈተነሉ፣ ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ ጠቒሰን።

ኣቐዲሙ'ውን 10ታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነበርን ሓለፍትን ናይቲ፣ ኣብ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑን ካልእ ኣብ ኢንዱስትዊ መዓላታት ዘገልግል ናውትን ዘቕርብ ፣ መንግስታዊ ትካል ሜቴክ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም መብዛሕቶም ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም ዝግለጽ ዘሎ ናይ ቀደም ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበር ንምቕያዶም ተበግሶታት ይወስድ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

Read more...

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጽገና ክዝትዩ'ዮም

Radio Erena: 13 November 2018

AU 11

45 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዘለዎ መበል 11 ፍሉይ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 17ን 18ን ሕዳር ክካየድ ምዃኑ ሚኒስትትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ'ዚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት፣ ሚኒስተራት 55 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ን14ን 15 ሕዳር ክጋብኡ ምዃኖም'ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

እዚ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ዝካየድ ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ጉዳያት እቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርበሉ ትካላዊ ጽገናታት ክዝቲ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ዋዕላታት፣ ብዛዕባ'ቲ ብኣጀንዳ 2063 ዝፍለጥ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውህደት ኣፍሪቃ ብዝምልከት'ውን ክመያየጠሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

Read more...

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ልዑላውነት ሶማል ከኽብሩ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 11 November 2018

eri_som_ethመራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ልዑላውነት ሶማል ከኽብሩ ብዕለት 9ን 10 ሕዳር ኣብ ጎንደር ኣብ ዘካየዱዎ ተኸታታሊ ኣኼባታት ተሰማሚዖም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣኼብኦም፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ክለዓል ምድላዋት ይገብር ምህላዉ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም።

እቶም መራሕቲ፣ ኣቐዲሞም ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ናይ ምሕዝነትን ልምዓታዊ ምትሕብባርን፣ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ዝምድናኦም ንምሕያል ብውልቂ ኮነ ብደረጃ ዞባ ንዘጋጥሞም ጸገማት ንምእላይ ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም።

Read more...

ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ሰጉጓ

Radio Erena: 13 November 2018

France migration

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ነናብ ዝመጽሉ ሃገራት ከምዝሰጎገ ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ክሪስቶፍ ካስትነር ገሊጹ።

ንሱ ብ6 ሕዳር ንሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት ብዝተመሳሳሊ መንገዲ ነናብ ዓዶም ከምዝተሰጎጉ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ ዓመት'ዚ ድማ ብ20% ምዝያዱ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስጓግ ንምቅልጣፍ፣ ኣስታት 200 ግዜያዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣቑሙ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ንመጻኢ፣ ብዝሒ ዝስጎጉ ስደተኛታት ካብዚ ዘለዎ ክዛይድ ምዃኑ ኣሚቱ።

ፕረዚንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ሕድሽ ሕግታት ስደተኛታት ከምዝተኣወጀ ይፍለጥ።

Read more...

ሩስያን ጅቡቲን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ኤርትራን ምልዓል እገዳን ተዘራሪበን

Radio Erena: 09 November 2018

Bogadnov

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሚኻኤል ቦጋድኖቭ፣ ንኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሩስያ መሓመድ ካሚል ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ብዛዕባ ሓድሽ ምዕባለታት ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምልዓል እገዳ ኤርትራን ብዝምልክተ ከምዘዘራረቦ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብምክትል ሚኒስተር ሚኻኤል ቦጋድኖቭ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ተዘራሪቡ'ዩ።

ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ሩስያ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ወትሃደራውይን ፖለቲካውን ጽልዋታት ዳግም ንምሕዳሱ ኣብ እትንቀሳቀሰሉ ዘላ እዋን፣ ሩስያ ምስ ኤርትራ ዝምድንኣ ንምሕያል፣ ካብ 2009 ኣትሒዙ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ክትጽውዕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ልኡኽ ምሕታቱ ይዝከር።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.