c


ዜና ኤርትራ

ከሰላ፣ ሓድሽ ተላባዒ ሕማም 11 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ

Radio Erena: 28 September 2018

Kassala Chikunguya

ኣብ ሱዳን ዞባ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ሕማም "ቺኩንጉያ" ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ ከምዘሎ ኣፈና ምምሕዳር እቲ ዞባ ማግዙብ ኣቡ ሙሳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታኣፍሊጡ።

ንሱ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠቕዑ ብዝሒ ሰባት ዛጊት 11 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎ እኳ እንተመልከተ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ወግዓዊ ሓበሬታ ግና ከምዘየሎ ገሊጹ።

ይኹን'ምበር ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ከሰላ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 20 በጺሑ ከምዘሎ'ዮም ዝጠቕሱ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ናብቲ ዞባ ህጹጽ ሓገዝ ከምዝልኣኸ ዝሓበረ ኣፈኛ ምምሕዳር ዞባ ከሰላ፣ እቲ ሕማም ብልዑል ናህሪ ይላባዕ ብምህላዉ፣ እቲ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።

Read more...

ባንክ ዓለም፣ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ንመንግስቲ ሶማል ልቃሕ ፈቒዱ

Radio Erena: 28 September 2018

World Bank

ባንክ ዓለም፣ ንመንግስቲ ሶማል ናይ 80 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ክህብ ምዃኑ ብ26 መስከረም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ንመንግስቲ ሶማል ቀጥታዊ ናይ ገንዘብ ልቃሕ ከይወሃብ ከልኪሉ'ዩ ጸኒሑ።

ይኹን'ምበር ከም ምግታእ ሕማም ኤችኣይቪ ኤድስን ካልእ ዝኣመሰለ ፕሮጀክታት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክምውል ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ምስ መንግስቲ ሶማል ዝነበሮ ዝሕቱል ዝምድና ኣብ 2013'ዩ ኣመሓይሹ።

Read more...

"ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ክንከፍት ሓጊዛትና ኣላ፣" ፕረዚደንት ጅቡቲ

Radio Erena: 27 September 2018

iseyas and gueleh2ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ክንከፍት ሓጊዛትና ኣላ ክብል ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።

ንሱ ምስ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ዝምድና ምስ ኤርትራ ናብ ንቡር ንምምላስን፣ ነቶም ዝጸንሑ ጉዳያት ንምፍታሕ ዕቱብ ተበግሶ ንምውሳድን ስዑዲ ዓረብ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ሓቢሩ።

ኣውሓሲ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ፣ እቲ ኣውራ መሰረት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ምዃኑ'ውን ፕረዚደንት ገለ ኣስሚርሉ።

Read more...

ኡጋንዳ፣ ዳሜራ - መስቀል ዘብዕሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ባርዕ ኣጋጢምዎም

Radio Erena: 27 September 2018

Damera

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብምኽንያት በዓል መስቀል፣ ሎሚ 27 መስከረም፣ ኣብ ዝወልዕዎ ዳሜራ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብዝሒ ናይቶም በቲ ባርዕ ዝተጎድኡ ኤርትራውያንን ዘለውዎ ኩነታትን ገና ኣይተነጸረን።

እቲ ባርዕ፣ ንዳሜራ ኣብ ልዕሊ ዝተተኽለ ኣዕጻው፣ ነዳዲ ንምስንሳ ዝተዳለወ ጀሪካናት ሓዊ ድሕሪ ምስሓቡ ከምዘጋጠመ'ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

ይኹን'ምበር፣ ጠንቂ'ቲ ባርዕ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

Read more...

ሱዳን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዘለዉ UNHCR ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 September 2018

unhcr on sudanኣብ ሱዳን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦምን ገና ኣብ ምሕታት ዝርከቡን ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - UNHCR ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ኣብታ ሃገር ብድምር ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝተዋህቦም ብምምልካት፣ እቶም 762 ሽሕ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ብብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዖም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ክኾኑ እንከለዉ፣ ክሳብ'ዛ ዝሓለፈት ወርሒ፣ 118 ሽሕ ምንባሮም ጠቒሱ።

ብሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኮይኖም፣ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል UNHCR ናይ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ልዕሊ 13 ሽሕ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.