c


ዜና ኤርትራ

መራሕቲ እስራኤልን ርዋንዳን፣ ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ተመያይጦም

Radio Erena: 01 October 2018

Isreal Rwanda 2

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመን፣ ኣብ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ጠልጠል ተሪፉ ዘሎ ምምላስ ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝርከብ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቶም መራሕቲ፣ ነዚ ዝተዘራረቡ፣ ጎኒ ጎኒ'ቲ ኣብ ኑውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ስሩዕ ዋዕላ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብ27 መስከረም ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን'ዮም።

ንሳቶም ነቲ ኣቐዲሞም ተዘራሪቦሉ ዝነበሩ ምኽፋት ኤምባሲታት ክልቲኤን ሃገራትን ምጅማር ቀጥታዊ በረራታት ናይ መጓዓዝያ መንገዲ ኣየር ካብን ናብን ኪግጋልን ቴልኣቪቭ'ውን ተዘራሪቦም።

Read more...

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን ክሳተፋ ዕድመ ቀሪቡለን

Radio Erena: 01 October 2018

Italy FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤንዞ ሞኣቨሮ ምስ ሚኒስተራ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነ ገበየሁን ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ምዕባለታት ሰላም ክልትኤን ሃገራት ተዘረራሪቡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ጎኒ ጎኒ'ቲ ኣብ ኑውዮርክ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኢጣልያ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ብምድጋፍ፣ ምስዘን ሃገራት ኣብ ልምዓት፣ ትምህርቲ፣ ሞያዊ ስልጠናን ካልእ ጽላታትን ክትተሓጋግዝ ቅርብቲ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ ዝካየድ ዋዕላ ኢጣልያን ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ ዕድመ ኣቕሪቡ።

Read more...

ኤርትራ፣ ናይ ዝተበየነላ ማዕቀብ ካሕሳ ሓቲታ

Radio Erena: 30 September 2018

osman saleh in UNኤርትራ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተበየነ ዘይፍትሓዊ ዝበለቶ ማዕቀብ ናይ ዘውረዶ ክሳራ ካሕሳ ክወሃባ ሓቲታ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ እቲ ዘይፍትሓዊ ዝበሎ ማዕቀብ ክለዓል ጥራይ ዘይኮነስ፣ በቲ ማዕቀብ ዝተፈጥረ ናይ ቁጠባ ምዝንባል እውን ካሕሳ ክወሃብ እዩ ሓቲቱ።

ኣቶ ዑስማን ኣብ መደርኡ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብሰላም ካብ ዝዓርፍ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ እንከሎ፣ እቲ ማዕቀብ ብዘይምልዓሉ ከምዝደንጎየ ድሕሪ ምሕባር፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ገለ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ዘይምነያ ሃገራት ምውሳኑ ከምዘተሓሳሰቦ’ውን ይገልጽ።

Read more...

ሱዳን፣ ዝቕባበ ንምፍዋስ፣ ሓድሽ ናይ 100 ፓውንድ ባጤራ ክትዝርግሕ'ያ

Radio Erena: 01 October 2018

Sudan Pound

ብቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበ ባጤራን ኣብ ሻቕሎት እትርከብ ሱዳን፣ ሓድሽ ናይ 100 ፓውን ናይ ወረቐት ገንዘብ ክትዝርግሕ ምዃና ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ትማሊ 30 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ ዝዓበየ ናይ ወረቐት ባጤራ 50 ፓውንድ'ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ዝቕባበ፣ እቲ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ሓይሉ ስለዝተዳኸመ፣ ህዝቢ እኹል ገንዘብ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ መዓልታዊ ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ባንክታት ክጸቓቐጥ ይረአ ኣሎ።

Read more...

ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ የሻቕል

Radio Erena: 28 September 2018

Endabaguna

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 11 መስከረም ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ልዕሊ 15 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ተሓቢሩ።

ድሕነት ሲቪላውያንን ሰብኣዊ ሓገዝን ኤውሮጳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነጥፋ ትካላት ስደተኛታት ብምውካስ ብ26 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ዕለታዊ ጸብጻብ፣ ካብዞም ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኣስትትታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ምስ ስድራቤታትም ንምርኻብ፣ ገሊኦም ሃገር ንምብጻሕ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብዙሓት ድማ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ካብ ኢትዮጵያ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓትቲ ዑቕባ ብኣስታት ኣርባዕተ ኦጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.